ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ እግሪ፣ ኤርትራውያን ዝንኣድ ዓወታት ኣመዝጊቦም

Radio Erena: 24 October 2016

Sport Isreal

ኣብ እስራኤል፣ ከተማ ቴልኣቪቭ፣ ብዓርቢ 21 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ እግሪ፣ ኣብ ናይ 5 ሽሕ ሜትሮ 18 ዓመት ዝዕድሚኣ ኤርትራዊት መንእሰይ ራሄል ገብረጻድቕ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊታ።

ኣብቲ፣ ኣብ ከባቢ ሸኾናታቲክቫ፡ ኣሪኤል ሻሮን ኣብ ዝተባህለ ፓርክ ዝተኻየደ ቅድድም ጉዳይ እግሪ፣ ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ’ውን ኤርትራዊ መንእሰይ ሄርሞን ተስፋሃንስ ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ብዓወት ዛዚሙ።

ኣብቲ ዜጋታት ኬንያ፣ ሱዳንን እስራኤልን ዝተጸንበርዎ ቅድድም ብውሕዱ 10 ኤርትራውያን ከምዝተሳተፉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ቅድድም፣ ንሓያሎ ኤርትራውያን ጠርኒፋ ብዘላ ክለብ እሲንታ ዝተወደበ’ዩ ኔሩ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ቅድድሙ ጉያ እግሪ፣ ብሽክለታን ካልእን ዝንኣድ ዓወታት የመዝግቡ እኳ እንተለዉ፣ እታ ሃገር ንኤርትራውያን ከም ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ወግዓዊ ተፈላጥነት ብዘይምሃባን ከምኡ ድማ ብሰንኪ ዘለዋ ዓሌታዊ ኣድልዮን፣ ኣብ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ውድድራት ንኽሳተፉ ዕድል ከምዝሰኣኑ ይግለጽ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0