ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን፣ ደገፍቲ ህግደፍን ደለይቲ ፍትሒን፣ ኣብ ክልተ ደምበታት ተኸፋፊሎም ፈስቲቫላት ኣካይዶም

Radio Erena: 28 July 2019

ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ደለይቲ ፍትሒን፣ ኣብ ክልተ ደምበታት ተኸፋፊሎም ዓበይቲ ፈስቲቫላት ኣካይዶም።

ኣብዚ ብ26ን 27ን ሓምለ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ዝተኻየደ ክልተ ፈስቲቫላት፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍን ተቓወምቱን፣ ዕግርግር ኮነ ባእሲ ዘይተረእየሉ ፍጻሜ’ዩ።

ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ስቶኮልም ሓያል ውዳበ ዘለዎ ፌስቲቫል ምክያዶም፣ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ብደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ተባሒቱ ዝጸንሐ ፈስቲቫል ሃገራት ስካንድናቭያ ተወዳዳሪ ረኺቡ ኣሎ።

ኣብ ክልቲኡ ፈስቲቫላት፣ ንህሉው ኩነታት ሃገራት ብዝምልከት፣ ሰሚናራታን ክካየድ እንከሎ፣ ብጓይላን ሳዕስዒትን’ዩ ተዛዚሙ።

ብመንእሰያት ደለይቲ ለውጢ ዝተዓብለለ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ብቀዳም 27 ሓምለ ኣብ ዝተዛዘመሉ፣ ከም ኣብራር ዑስማን፣ ፍረሰላም ሙሴ፣ ተመስገን ያረድን ሮቤልን ዝኣመሰሉ ህቡባት ድምጻውያን ኣማዕሪጎሞ ኣምስዮም።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0