ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2013 ዝንኣድ ብቕዓት ኣንጸባሪቖም

ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ ማለት ዙር ርዋንዳ 2013 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣዝዩ ዝንኣድ ብቕዓት የርእዩ ምህላዎም ማዕከናት ዜና ስፖርት ሓቢረን።

ኣብቲ ቅድድም ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ሓደ፣ ኣባል ክለብ ኣስፔኮ ዝኾነ መትከል እዮብ ዝልዓለ ቆላሕታ ረኪቦም ካብ ዘለዉ’ዩ።

 

ኣብዚ ካብ ኤርትራ፣ ፈረንሳ፣ ኣልጀርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቤልጁም፣ ኣመሪካ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራን ዝተወከሉ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝሳተፍዎ ዘለዉ ዙር ርዋንዳ 2013፣ ብሓፈሻዊ ውጽኢት፣ ኤርትራዊ መትከል ኢዮብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ይቕጽል ኣሎ።

============================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0