ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ኣህጉራዊ ቅድድማት ጎሊሖም ይርኣዩ

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ኣህጉራዊ ቅድድማት ጎሊሖም ይርኣዩ

Radio Erena: 10 June, 2014

eri cy

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኤም.ቲ.ኤን ኩቤካ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ብሰንበት ኣብ ዝተዛዘመ ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ ዙር ላክሰምበርግ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኽ ሳልሳይ ወጺኡ።

ኣብ’ቲ መእተዊ ውድድር ክሮኖ ሜትር ዝጠቓለለ 4 መድረኻት ዝነበሮ ዙር፡ ብእኩብ ናይ ግዜ ውድድር (General Classification)፡ ካብ ተዓዋቲ ናይ’ቲ ዙር፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ቲንክ ኦፍ-ሳክሶ ኣውስትርያዊ ማቲ ብረስቸል ሓደ ደቒቕን ሓደ ካልኢትን ድሒሩ መበል 11 ደረጃ ሒዙ።

 

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ፈረንሳዊት ክለብ ዩሮፕካር ናትናኤል ብርሃነ፡ ብሰንበት ኣብ ዝተጀመረ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ከተማ ክራይተርዩም ዱ ዳውፊነ ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ሓያላት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዓለም ከም መምዘኒ ብቕዓት ነቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝካየድ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ዝጥቐምሉ ውድድር፡ ከም ክሪስ ፍሩም፡ ኣልበርቶ ኮንታዶርን ቪቸንሶ ኒባልን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ተቐዳደምቲ’ውን ይወዳደሩ ኣለዉ።

እዚ 8 መድረኻት ዘለዎ ውድድር ብሰንበት ኣብ ከተማ ሊዮን ፈረንሳ ብውድድር ክሮኖ ሜትር ኣብ ዝተኸፍተሉ፡ ተዓዋቲ ቱር ዲ ፍራንስ 2013 እንግሊዛዊ ክሪስቶፎር ፍሩም ተዓዋቲ ክኸወን እንከሎ፡ ናትናኤል ብርሃነ ከኣ ብ ሓደ ደቒቕን ሓደ ካልኢትን ድሒሩ ካብ 168 ተቐዳደምቲ መበል 117 ደረጃ ሒዙ።

እዚ ውጽኢት ምስ ሓያላት ተቐዳደምቲ ዓለም ገጢምካ ዝተረኽበ ብምዃኑ እቲ ሱታፌ’ውን ንባዕሉ ዓቢ ዓወት እዩ።

ቅድሚ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ውድድር ግዜ፡ ሻምፕዮን ውድድር ክሮኖ ሜትር ኤርትራ 2014 ዝኾነ ናትናኤል ብርሃነ፡ ኣብዚ ናይ ሰንበት ቅድድም ከም ሻምፕዮን ሃገሩ መጠን፡ ብባንዴራ ኤርትራ ዘጌጸት ማልያ ክለቡ ጌሩ እዩ ኣትዩ።

ሻምፕዮን ኤርትራ 2012 ዝኾነ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት’ውን ኣብ 2013 ዓመተ ምህረት ምስ ክለብ ግሪን ኤጅ ኣብ ዝነበረሉ ብሕብሪ ባንዲራ ኤርትራ ዝተሰርሐት ማልያ ጋንትኡ ጌሩ ይጻወት ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ካብ ቅድድም ብሽክለታ ከይወጸና፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ክለብ ኤም.ቲ.ኤን ኩቤካ ፊደር ቲም ትምህርቲ ክወስዱን ክወዳደሩን ዝጸንሑ፡ መንእሰያት ተቐዳደምቲ ክለብ ኣስቤኮ፡ መትከል ኢዮብን ሜሮን ተሾመን፡ ንዝለዓለ ትምህርቲ፡ ስዊዘርላንድ ናብ ዝርከብ ማእከል መሰልጠኒ ብሽክለታ ዓለም ከምርሑ እዮም።

እዞም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣተባባዒ ውጽኢት ዘምጹ ተቐዳደምቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2014 ዝተሳተፉ ክኾኑ ከለው፡ ሜሮን ኣብ ውድድር ክሮኖ ሜትር ሳልሳይ፡ ኣብ ውድድር ጽርግያ ከኣ ራብዓይ ክወጸእ ከሎ፡ መትከል ግን፡ ኣብ ክልቲኡ ውድድር ብሽክለታ ብምብልሻዉ ዕድል ኣይገበረን።

ኤርትራያውያን ተቐዳደምቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን ናብ’ዘን ሕጂ ዝወዳደሩለን ዘለዉ ፕሮፌሽናል ክለባት ቅድሚ ምሕዋሶም በዚ ናይ ስዊዝ መሰልጠኒ ቅድድም ብሽክለታ ከምዝሓለፉ ይዝከር።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0