ፕረዚደንት ሱዳን፣ ካልኣይ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቀይዱ

ፕረዚደንት ሱዳን፣ ካልኣይ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቀይዱ

Radio Erena: 10 June, 2014

sude opp

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ንኻልእ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ምቕያዱ፣ ዝተወጠ ዘተ ሃገራዊ ዕርቒ ከምዝፈሸለ ዝእንፍት’ዩ ክብሉ ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት ገሊጾም።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣቐዲሙ ንመራሒ ሰልፊ ኡማ ሳዲቕ ኣልማሕዲ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ ዝዝከር ኮልይኑ ትማሊ ድማ ኢብራሂም ኣልሸኽ ዝተባህለ መራሒ ሰልፊ ባይቶ ዳጕኑ።

 

ፕረዚደንት ኣልበሽር ነዞም ክልተ መራሕቲ ሰልፍታት ሱዳን ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም፣ ምስቲ ኣብ ዞባ ኮርዶፋን ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራውን ፖለቲካውያን ተቓውሞታት’ዩ።

እዚ ፕረዚደንት ኣልበሽር ወሲድዎ ዘሎ ስጉምታት ዘቖጠዐን ሰልፍታት ሱዳን፣ ካብቲ ኣቐዲሙ ተወጢኑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጽገና ዝዓለም ሃገራዊ ዘተ ክስሕባ ይርኣያ ኣለዋ።

ን25 ዓመታት ስልጣን ብሒዝቱ ዝርከብ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ፖለቲካዊ ጽገና ንምክያድ ውጥን ሃገራዊ ዘተ ድሕሪ ምእዋጁ፣ ነዚ ንምትብባዕ ሓያሎ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዝፈትሐ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር፣ ኣልበሽር እንደገና ግኑን ስም ዘለዎም መራሕቲ ሰልፍታት ምቕያዱ እቲ ሃገራዊ ዘተ ከምዘይዕወት ዝእንፍት ምዃኑ ብኣግኡ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር የተንብሁ።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0