ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያ፣ መንግስቲ መሰላት ስደተኛታት ክሕሉ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢጣልያ፣ መንግስቲ መሰላት ስደተኛታት ክሕሉ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 12 July 2016

Roma

ኣብ ኢጣልያ ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ መንግስቲ ኢጣልያ ብሕግታት ስደተኛታት ክቕየድን ምስ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብዝኣትዎ ስምምዕ መሰረት ናይ ዑቕባ መሰሎም ከኽብርን ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ብ8 ሓምለ ኣብ ከተማ ሮማ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኤርትራውያን መብዛሕቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብማእከላይ ባሕሪ ዝኣተዉ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ኩነታት መነባብርኦም ብፍላይ ከኣ ሕክምና ዝኾነ ቆላሕታ ከምዘይገበረሎም’ዮም ዝወቕሱ።

 

ስእሊ፣- ኣርካይቭ ቢቢሲ
=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0