ኣብ ዚምባብዌ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ብኣመሪካን ፈረንሳን ዝተወደበ’ዩ ክብል መንግስቲ ወቒሱ

ኣብ ዚምባብዌ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ብኣመሪካን ፈረንሳን ዝተወደበ’ዩ ክብል መንግስቲ ወቒሱ

Radio Erena: 12 July 2016

Mugabe Go

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዚምባብዌ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ብኣመሪካን ፈረንሳን ዝተወደበ’ዩ ክብል መንግስቲ እታ ሃገር ወቒሱ።

እቲ ብመንእሰያት ተወዲቡ ኣብ ከተማ ሃራረ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ንዝበዝሀ ትካላት እታ ሃገር ካብ ስራሕ ከምዘሰናኸሎ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ’ቶም፣ ለውጢ ብምጥላብ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ መንእሰያት ንምብታን ጎነጽ ከምዝተጠቕሙ’ውን እተን ማዕከናት ዜና ጠቒሰን።

 

እቶም ሰልፈኛታት፣ ንሓያሎ ኣዋርሕ ዘይተኸፍሎ ደሞዝ ክኽፈሎም፣ ብብልሽውና ዝተቖማጥዑ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ክእለዩን ካልእን ዝጠልብ ሕቶታት’ዮም ኣልዒሎም።

መንግስቲ ንጠለባቶም እንተዘየማሊኡ ከኣ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየድዎ ኣድማን ሰለማዊ ሰልፍን ኣብዚ ሰሙን’ዚ’ውን ክቕጽልዎ ምዃኖም ኣጠንቒቖም።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዚምባብዌ ኢግናትዩስ ቾምቦ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብዝህቢ ዝተወደብ ዘይኮነ፣ ኣብታ ሃገር ብዝርከባ ኤምባሲታት ኣመሪካን ፈረንሳን ዝተሃንደሰ’ዩ ክብል ገሊጹ።

ሞሶብ ኣፍሪቃ ዝነበረት ዚምባብዌ፣ ኣብዚ 38 ዓመታት ዘመነ ስልጣን ሮበርት ሙጋበ፣ ብሰንኪ ቁጠባዊ ውድቀት፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራ ዘይብላን ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምኽፋል ከኣ እትጽገምን ሃገር ኮይና ኣላ።

ወዲ 92 ዓመት ፕረዚደንት ሙጋበ ሃገር ንምምራሕ ኣብ ዘይበቕዓሉ ዕድመን ኩነታት ጥዕናን በጺሑ እኳ እንተሎ፣ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ዝሓለፈ ዓመት ቃለ መሓላ ከምዝፈጸመ ኣይርሳዕን።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0