ኤርትራውያን፣ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘለዎም ደገፍን ተቓውሞን ንምግላጽ ኣብ ጄኔቫ ዝተፈላለየ ሰልፍታት ይውድቡ

ኤርትራውያን፣ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘለዎም ደገፍን ተቓውሞን ንምግላጽ ኣብ ጄኔቫ ዝተፈላለየ ሰልፍታት ይውድቡ

Radio Erena: 15 June 2015

Geneve demo

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ወግዓዊ ጸብጻባ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀኔቫ ን23 ሰነ ከተቕርብ ተዳልያትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ደገፍቲ መንግስቲን ዝኾኑ ኤርትራውያን በብወገኖም ሰለማዊ ሰልፍታት ወዲቦም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፣ ደገፍቲ መንግስቲ፣ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ንዝቐረበ መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ከምዘሎ ዘረጋግጽ ጸብጻብ ንምውዋምን፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ደገፍን ንምግላጽ፣ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ’ቲ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኤርትራ ዝዝትየሉ ኣኼባ ኣብ 22 ሰነ፣ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ’ዮም።

 

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ነቲ በቲ ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ን26 ሰነ ካልእ ሰለማዊ ሰልፊ ወዲቦም ኣለዉ።

ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ፣ ኣብቲ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ንምቃውም ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ጄኔቫ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ብኤምባሲታት እናተወደቡ ብኣውቶቡሳን ካልእ መጓዓዝያን ናብታ ከተማ ክውሕዙ ምዃኖም ክግለጽ እንከሎ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ’ውን በብዝተፈላለየ ኣገባባት እናተወደቡ ኣብታ ከተማ ክትኣኽእኸቡ’ዮም።

ከተማ ጄኔቫ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ክልተ ዓይነት ሰለማዊ ሰልፍታት ኤርትራውያን ከተእንግድ ምዃና ድሮ ተፈሊጥሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ጎነጽን ናዕብን ከይልዓል ፖሊስ እታ ከተማ ጽኑዕ ሓለዋ ከካይድ ትጽቢት ኣሎ።

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክትምርምር ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ከይትኣቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምኽልካላ፣ መጽናዕታ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኤርትራውያን እናተሓገዘት’ያ ኣካይዳቶ።

እታ ኮሚሽን ኣብ ጸብጻባ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ከቢድ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸሙ ጠቒሳ ኣላ።

ኣብ 23 ሰነ ኣብ ጸብጻብ እታ ኮሚሽን ኣተኵሩ ዝዝቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት’ውን፣ ድሕሪ’ዚ ኣኼባ’ዚ እንታይ ግብራዊ ውሳኔ ክህብ’ዩ ክልቲኦም ደምበታት ኤርትራውያን ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዘለዉ’ዩ።

ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንመንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ከቖጥዕ እንከሎ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ድማ ከም ሓደ ዓቢ ዓወት ኣብ ምቅልዕ ባህርያት እቲ መንግስቲ ይገልጽዎ።

ባይቶ ጸጥታ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ካብ ሎሚ 15 ሰነ ክሳብ 3 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ጸብጻባት ሰብኣዊ መሰላት ዓለምና ክዝቲ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ ክልተ እዋን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ከምዘንበረ ዝዝከር’ዩ።

እዚ እገዳ እዚ ከይተላዕለ ድማ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ ይርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ፈጢርዎ ዘሎ ዋሕዚ ናብ ስደትን ብዝምልከት ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ነርወይ፣ ደንማርክ፣ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ በብእዋኑ ይዝትያሉ ኣለዋ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0