ኣብ ቅድመ -ምድላዋት ዙር ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ክራይተርዩም ዱ ዶፊነ፣ ኤርትራዊ ዳኒአል ተኽለሃይማኖት ኣብ ናይ ዓቕብ ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ

ኣብ ቅድመ -ምድላዋት ዙር ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ክራይተርዩም ዱ ዶፊነ፣ ኤርትራዊ ዳኒአል ተኽለሃይማኖት ኣብ ናይ ዓቕብ ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ

Radio Erena: 15 June 2015

dan

ኣብ ሸሞንተ መድረኻት ተኸፋፊሉ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ክራይተርዮም ዱ ዶፊነ፣ ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለት ኤምቲኤን ኩቤካ ወኪሊ ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ ናይ ዓቐብ ቀዳማይ ዕዉት ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ናይዚ ውድድር ንዝኾነ ክሪስቶፈር ፍሮምን ልዊስ ሜንጂትስን ብጸብለልታ ነጥቢ ብምምራሕ’ዩ ተዓዋዊት ናይ ዓቐብ ክኸውን በቒዑ።

ድሕሪ’ዚ ዓወት እዚ ድማ፣ ኤርትራዊ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ኣብዚ ካብ 4 ክሳብ 26 ሓምለ ዝካየድ ዙር ፈረንሳ ክሳተፍ ምዃኑ ጋንትኡ ኤምቲኤን ኩቤካ ኣረጋጊጻ ኣላ።

 

ንዙር ፈረንሳ ከም መዐቐኒ ተባሂሉ ኣብ ዝዳሎ ክራይተርዮም ዱ ዶፊነ ንኽሳተፉ፣ ዳኒኤል ተኽለ ሃይማኖት፣ ናትናኤል ብርሃነን መርሃዊ ቅዱስን ተሓጽዮም እኳ እነነበሩ፣ ኣብ መወዳእታ ግና፣ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ጥራይ’ዩ ኣብ ቲ ቅድድም ቀሪቡ።

ነዞም ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝሓቖፈት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ፣ ንኣህጉርና ብምውካል ኣብ ዙር ፈረንሳ እትወዳደር ዘላ ናይ መጀመርያ ጋንታ ክትከውን እንከላ፣ ኤርትራዊ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ድማ ኣብ ታሪኽ እዚ ቅድድም ምስታፉ ዘረጋገጸ ናይ መጀመርያ ኤርትራዊ ኮይኑ ኣሎ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0