ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቀዳዳማይ ብሽክለተ ናትናኤል ብርሃነ፣ ንዙር ኣሚሳ ቦንጎ ዝተዓወተ ቦኽሪ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ

ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቀዳዳማይ ብሽክለተ ናትናኤል ብርሃነ፣ ንዙር ኣሚሳ ቦንጎ ዝተዓወተ ቦኽሪ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ

Radio Erena: January 20, 2014

 

nat Eri

ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፣ ኣብ ጋቦን ንዝተኻየደ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ዝተዓወተ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ።

ዝበለጸ ስፖርታዊ ናይ ኣህጉር ኣፍሪቃ 2013 ኮይኑ ዝተዓወተ ናትናኤል ብርሃነ ኣብዚ ኣብ ጋቦን ክካየድ ዝቐነየ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ብዘርኣዮ ብቕዓት፣ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ስፖርት ልዑል ቆላሕታ’ዩ ረኺቡ ቐንዩ።

 

ምስ ፈረንሳዊ ክለብ ዩሮፕ ካር ተጸንቢሩ ፕሮፌሽናል ቅድድሙ ዘካይድ ዘሎ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ፣ ተዓዋታይ ዙር ቱርኪ 2013 ምዃኑ’ውን ይዝከር።

ኣብዚ ኣብ ጋቦን ዝተካየደ ብኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽከለታ ካብ ዝተመዝገበ ኣደናቒ ስፖርታዊ ፍጻሜታት ካልእ’ውን፣ ኣብ 4ይ መድረኽ ውድድር ዙር ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተ ፍረቃልሲ ደበሳይን ሜሮን ኣማኑኤልን ካብቶም ጎሊሖም ዝተራእዩ ኔሮም።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0