ኤርትራዊ ክንድምንታይ መሬት’ዩ ዘድልዮ?

ኤርትራዊ ክንድምንታይ መሬት’ዩ ዘድልዮ?

Radio Erena: 17 April 2015

meret1

     ስያዊ ደራሲ ሊዮ ቶልስቶይ፣ ‘ንሰብ ክንድምንታይ መሬት የድልዮ?’ ብዝብል ኣርእስቲ ነዛ ሕቶ’ዚ ኣልዒሉዋ’ዩ። 

     ኣብ ከተማን ገጠርን ተምርዕየን ዝናበራ ኣሓት፣ ንገዛ ናብርአን ዝነበረን ገምጋማት ሃብትን ድኽነትን ብምቕዳም ድማ’ዩ ናብዛ ዛዕባ’ዚኣ ዝኣቱ።

     ተጋዲሙ ነዚ ዕላል እዚ ብጎቦ እዝኑ ንዝሰምዕ ዝነበረ በዓል ቤት፣ ሚስተር ፕኖም ኣብ መንጎ እቲ ናይ ኣሓት ዕላል መሬትን ሃብትን ተቀርቒሩ፣ ክንዲ ግራት ሰማይ ዝኸውን መሬት እንተዝውንን ንሰይጣን ንባዕሉ እኳ ከምዘይምፈርሖ ሓሰበ። ካብዛ ግዜ’ዚኣ ኸኣ፣ ገሽላዕ መሬት ክውንን ካብ ዝነበሮ ክቱር ህንጥዩነት ንገዛእ ርእሱን ንሰይጣንን ድቃስ ከልአ። ሕልሙ ከይረኸበ ሕልሚ ኩልና ዘረከቦ ሚስተር ፕኖም ኣብ መወዳእታ፣ ክንድምንታይ መሬት ከምዘድልዮ ተፈጥሮ ባዕላ’ያ ወሲናትሉ። ክንዲ ቁመቱን ክንዲ ግዙፍን ኣብ እትኣክል መሬት፣ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። መስኪናይ ሚስተር ፕኖም!

      ኔፓላዊ ጋዜጠኛ ሳማንታ፣ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ፊት ንፊቱ ኣብ ባይታ ተሰጢሑ ዝርአ መቓብር’ዩ። ኣብ ሓደ እዋን ዝተላለና ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ጋዜጠኛታት ከኣ፣ መግቢ ኔፓል ክጋብዘና ስለዝተዓደምና’ዩ ኣብ ቤቱ ተረኺብና ዘሎና። ዕላላት ኣብ ስደት ናይ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ተመሳሳሊን ተደጋጋምን ብምዃኑ፣ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ደጊሙ ከይልዓል ምንዮተይ ነበረ። ካብዚ ዕላላት እዚ ንምህዳም ከኣ’የ ኣብ ፊትና ተሰጢሑ ናብ ዘሎ መቓብር እናተኮርኩ ንኔፓላዊ ጋዜጠኛ ብዛዕባ ሩስያዊ ሊዮ ቶልስተይን ‘ንሰብ ክንዲ ምንታይ መሬት የድልዮ?’ እትብል ድርሰቱን ከም ኣርእስቲ ዘልዓልክሉ። መቓብር እንክርኢ ወትሩ ዝክራ ኣርእስቲ’ያ።

     “ሰብ ዋላ ምስ ሞተ’ዩ መሬት ዘድልዮ። ብብዝሒ ዝሞቶ ኸኣ ብብዝሒ መሬት’ዩ ዘባኽን።” ቅልጡፍ መልሲ ናይ ሳምንታ ነበረ።

     እቲ እዋን’ቲ ካብቲ ንሽዱሽተ ወርሒ ብግዝያውነት ዝተዓቝቦሉ መንበሪ ገዛ ክወጽእ ተነጊርዎስ ካልእ ቤት ኣብ ምድላይ ተሸጊሩ’ዩ ዝነበረ።

     “ናብቲ መቓብር እናማዕደወ ከኣ ክንድዚ ዝኣክል መሬት ንምውታት ተሓዚኡ ብህይወት ንዘሎና ኸኣ መንበሪ ጨኒቑና።” ኣዕዘምዘመ።

     ፊትና ዘሎ መቓብር፣ ሃብታማት ዝውንኖ ናይ ብሕቲ መቓብር ምስ ምዃኑ ስፍሓቱ ውሱን’ዩ። ብምምሕዳራት ዝውነን ህዝባዊ መቓብራት ገለ ገሊኡ ስፍሓቱ ክንዲ ከተማ ኣስመራ ዝኸውን’ዩ። ምምሕዳር ፓሪስ ብጉዳይ መቓብር ፍሉይ ውሳኔ ንምሕላፍ ዝተጸገመሉ እዋናት ኔሩ’ዩ።

     ውሑዳት ብርዥዋታት ፈረንሳ፣ ኣብ ሕምብርቲ ፓሪስ ዝርከብ ታሪኻዊ መካነ መቓብር ‘ፔር ላሸዥ’ ሄክታር ዝኸውን መሬት ሓዚኦም’ዮም። ቅድሚ ሙሟቶም ንዓኣቶምን ንስድራቤታትኦም ዝሓዝእዎ መቓብር’ዩ። ኣብ ገሊኡ’ውን ክሳብ ቪላታት ተሃኒጽዎ ይርአ። ጥቓ’ቲ ሬሳ ህቡብ ደራሲ ኦስካር ዋይልድ ዝዓረፈሉ መቓብር መሬት ምውናን ምስ ክብሪ’ዩ ዝጽብጸብ። ንመቓብር እዚ ኣይረላንድ ዝመበቆሉ ኦስካር ዋይልድ ንምብጻሕ ዓመታዊ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ናብቲ ቦታ ይርከቡ’ዮም። ሓደ ሓደ እዋን’ውን እቲ መቓብር ኣብ ርእሲ’ቲ ዘለዎ ናይ ሓጺር ሓጺር፣ ፖሊስ ከተማ ክሕልውዎ ይርኣዩ። እዚ ኹሉ ንመቓብር’ዩ። ንዝሞተ ሰበ?

meret2

     ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ ንመቓብር ዝከውን መሬት እናወሓደ ይኸይድ ኣሎ ዝብል መረረ ኣስሚዑ። ወሰንቲ ኣካላት ፈረንሳ ንሰብ ምስ ሞተ ክንዲ ምንታይ’ መሬት’ዩ ዘድልዩ ክዝትዩ ተገዲዶም።

     ሰብ ብህወት እንከሎን ምስ ሞተን መሬት ምብኻኑ ኣይተረፎን ዝብል ዘረባ ኔፓላዊ ጋዜጠኛ ሳምንታ ሓቂ ነበረ።

     ምምሕዳር ዞባ ማእከል፣ ኣብ ዘካየዶ ናይ ባይቶ ኣኼባ፣ መቓብራት ይመልእ ኣሎ ኣሞ ንመቓብር ዝኸውን መሬት ብኣግኡ ይተሓሰበሉ ክብል ዘሕለፎ ለበዋ ዘከርኩ። መቓብር ሓዝሓዝ እንተመሊኡ፣ ህዝቢ ኣስመራ ዝቕበረሉ መሬት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣይተወሰነን ዘሎ። ናይ መንበሪ መሬት ጥራይ ዘይኮነ ናይ መቕበሪ መሬት’ውን ጸገም ከይህሉ ይኽደነና’ዩ ዘብል ሎሚ ኣብ ኤርትራ።

     ሳማንታ ነዚ ሰብ ብህወቱን ብሞቱን የባኽኖ ኣሎ ዝብሎ መሬት ንምድሓን፣ ካብ እምነቱ ዝተበገሰ ሓሳብ ኣለዎ። “ሰብ ምስ ሞተ ክቕበር ዘይኮነ ሓዊ ክነድድ’ዩ ዘለዎ።” ዝብል ሓሳብ። ምስ ተፈጥሮ ዘራኽቦ መንገዲ ድሕሪ ሞቱ ሓዊ ምስ ዝነድድ ጥራይ’ዩ ብምልኣት ዝፍጽሞ በሃላይ’ዩ ሳማንታ። ንመቓብር ክብል መሬት ኣየባኽን። እቲ ንመንደዲኡ ዝባኸነ ዕንጸይቲ ከኣ በቶም ዝተክኦም ሰብ ስለዝትካእ ምብራስ ኣግራብ’ውን ኣየኸትል። ኣብ ፓሪስ’ውን ኣብ መሬት ካብ ዝቕበሩ ብሓዊ ክነዱ ዝመረጹ ብዙሓት ሰሚዐ ኣለኹ። ካብ ብኽነት ዕንጸይቲ ናጻ ዝኾነ ዘመናዊ ምንዳድ’ዩ።

     ‘ሓመድ ኢኻ’ሞ ናብ ሓመድ ከኣ ትምለስ’ ዝብል ፍልስፍና ኣብ ሳምንታ ገለ ክፋሉ ጥራይ ቅኑዕ። ሰብ ሓመድ ጥራይ ኣይኮነ። ሓዊ፣ ንፋስ፣ ማይ…ወዘተ ዝኣመሰሉ’ውን ምልኣት ሰብነቱ’ዮም። እዚ ናይ ሳማንታ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ዝኣምንክሉ ኮይኑ’ኳ እንተተሰምዓኒ ዘዕበየኒ ባህልን እምነትን ግና ፍርሒ ፈጠረለይ። ስለዚ ኸኣ ሰብ እንተስ ብህይወቱ እንተስ ብሞቱ ክንዲምንታይ መሬት’ዩ ዘድልዮ ዝብል ሕቶ ሊዮ ቶልስቶይ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሕቶይ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

     ሕጻን ተወሊዱ ኣሎ’ሞ ግዓት ክትበልዑ ዝብል ካብ ብሓንቲ ካብ ቀረብትና ዕድመ ካብ ዝልኣኸኒ ሰሙኑ ጌሩ’ዩ። ገዓት ምብልዑ ብዙሕ ዘብህገኒ እኳ እንተዘይኮነ፣ ናብ ስደት ካብ ዝወጻእክሉ፣ ኤርትራውያን ኣብ ውራያት ተኣኪቦም ርእየ ስለዘይፈልጥ ግና ኣብታ ዕለት እቲኣ ክርከብ ህንጡይ ነበርኩ። ካብ ማእከል ፓሪስ ብባቡር ናይ 40 20 ደቓይቕ ዘይከውን ርሕቀት’ዩ። ህጡር ሓጋይ’ዩ። ዝወርድ ውርጪ ከም ልብኻ ላዕልን ታሕትን ዘብል ኣይኮነን። ግና ኣብ ሰዓተይ ተረኺበ ኣለኹ። ቤት ብዝቑሎ ቡንን ብዝሃገገ ዕጣንን፣ ብወኻዕታን ጸዋታን ቆልዑ፣ መንእሰያትን ዓበይትን ፉሕ ፉሕ ክትብል’ያ ጸኒሓትኒ። ፓሪስ ደጊኣ’ደኣ’ምበር ውሽጠኣ ጸብጻብ ከተማ’ያ። ናይ ፓሪስ መንበሪ ኣባይቲ ከኣ ከሙኡ ጸበብቲ ምስ ምዃኑ፣ ነቲ ሙቀት ሙቀት’ዩ ወሲኽሉ። ብዛሕሊ ዝኸርደደት ፓሪስ፣ ኣብዛ ቤት እንተትኣቱ ተመነኹላ።

     ኣብ ኩርናዕ ናይታ ቤት መቃምጦይ ሒዘ ኣለኹ። ገዛኢት ቦታ’ያ። ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ቤት ዝተረኽበ ሰብ ዓይንኻ መሊእካ ንምጥማት ይኹን ዕላላቱ ክትቖጻጸር እተኽእል ቦታ። ካብ የመንን ጸጋምን ዝውሕዙ ዕላላት መሊኦም’ዮም። መብዛሕቶም እቶም ዕላላት ኣብ ዝነበረ ዛሕልን በረድን’ዮም ዘተኩሩ። ምዕርግቲ ኣደ ድማ ቡን ናይ ምፍላሕ ሓላፍነት ወሲደን። ናውቲ ቡን ኣብ ምቅርራብ ተጸሚደን። ግደ ሓቂ ማዕረግ እተን ኣደ ኣብ መልክዐን ኣይነበረን። ባህላዊ ኣለባብስአንን ዘርኣያና ሓልዮትን ግና ንማዕረግ ኤርትራውያን ኣዴታት ዘንጸባረቀ’ዩ። ደሓር ከኣ ማዕረግን ግርማን ምስ መልክዕን ጽባቐን እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ።

     ቅድሚ ቡን ገዓት ክብላዕ ስለዘለዎ ዳርጋ ተዳልዩ’ዩ። ብኢዱ ክበልዕ ዝመረጸ ኣይነበረን። ግርማ ገዓት ብኢድ ክትገሓጥ እንከላ’ዩ፣ ኣብ ባህሊ ዓድና። ዘመነ ማንካን ፋርኬታን ኣርኪቡዋ ግና ኣብ ፓሪስ’ውን እንሆ ብደርዘን ማናኩ ተኸቢባ’ያ ቀሪባ። ኣተኩሮይ ካብ ናብታ ድሮ ዝፈራረሰት ገዓት ንላዕሊ ውሕልና እተን ኣደን ዘዋድድኣ ዘለዋ ቡንን ቀልበይ ሰሓበ። መንበረይ ስሒበ ኸኣ ኣብ ጥቃ’ተን ኣደ ክኸውን መሪጸ።

Oscaewiled

     ኣደይ ቅዱሳን’የን ዝብሃላ። ናብ ፈረንሳ ካብ ዝስደዳ ዳርጋ 40 ዓመትን ቀሪቡ ኣሎ። ግፍሕ ዝበለ መኻፍቲ ኣፈን ንፍሽኽትአን ኣጋኒኑለን’ዩ። ወትሩ ሕጉስቲ’የን ዝመስላ።

     “ንስኻትኩም ከ ብባሕሪ ዲኹም መጺእኩም?” ድንጋጼ ዝተሓወሶ ሕቶ ነበረ።

     ናይ ነገር ኣጋጣሚ መብዛሕትና ኣብታ ቤት ዝነበርና፣ ጉዕዞ ስደትና ፍርቁ ብእግሪ ፍርቁ ከኣ ብነፋሩት’ዩ። ብባሕሪ ዝሰገረ ኣይነበረናን። እንተስ ብባሕሪ እንትስ ብምድሪ፣ ስደት ምዃኑ ስለዘይተርፎ ግና፣ ብዛዕባ ጉዕዞ ስደትን ምረቱን ብዙሕ ኣካዕና።

     ዓላ’የን እተን ኣደ። እናሻዕ እንክጥምተን ዝፈልጦ ሰብ’የን ዘዘኻኽራኒ። ኣብ መንጎ ካብ ዕላላትና ኸኣ፣ ቅድሚ ስደት ኣበይ ከምዝነበርኩ ሓተታ እሞ፣ ተመዲበ ዝሰርሓሉ ዝነበርክሉ ቦታ እንዳዜና ምዃኑ ሓበርኩወን። ዝበዝሐ ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ መንእሰይ ኣባል ሰራዊት ምዃኑ’ዩ ግንዛበ ኣዘን ኣደ። ኣይተጋገያን ከኣ። ዋላ’ቶም እንዳዜና ዝተመደብና ጋዜጠኛታት’ውን ወትሃደራት ኢና ዝነበርና። ናብ ስደት ድሕሪ ምምርሐይ መሳርሕተን ነበር ብሓደ ኢዶም እርሳስን ወረቀትን ብሓደ ኢዶም ከኣ ጠበንጃ ሒዞም ዝምክቱ ዘለዎ ጀጋኑ ምዃኖም ተዋዚናሉ ኢና።

     ‘እንዳዜና’የ ኔረ’ ዝብል ዕላል፣ እዘን ኣደ ክብልኦ ዝደልያ ተወሳኺ ነገረ ከምዘለወን ካብ ገጸን ከንብቦ ኣይጸገመንን። ምናልባት እንዳዜና ምስ ምንባርካ ብዙሕ ሰብ ብዙሕ ቀንጠመንጢ ይሓትት’ዩ።

     ‘እቲ እገለ ከምዚ’ዩ ይብልዎ፣ እታ እታ እገሊት’ሲ ከምዚ’ያ ኢሎማ።’ ዝብሉ ቀንጠመንጢ ዕላላት መሊኦም’ዮም።

     እዘን ኣደ’ውን ምስዚ ብዝመስል ኣበጋግሳ “እገለ ትፈልጦ ዶ? ” ክብላ ሓተታ።
እታ ሕቶ ናብ እዝነይ ከይበጽሐት ግና ምስ ኣደይ ቅዱሳን ክመሳሰለኒ ዝጸንሐ ሰብ ዘኪረ። ምስ ሕቶአን ተደሪባ ኸኣ ወይ ኣሕዋት’ዮም ወይ ከኣ ቀራባ ኣዝማድ ናብ ዝብል መደምደምታ በጻሕኩ። መደምደምታይ’ውን ቅኑዕ ነበረ።

     ብኣካል ደኣ ኣይፍለጠን’ምበር ምስ ኣደይ ቅዱሳን ቅድሚ ናብ ፓሪስ ምምጽአይ ሌላ ጸኒሑኒ’ዩ። ኣውራ ሌላና ግና ምስአን ዘይኮነ፣ ምስቲ ኣብ ሓዝሓዝ ዘስርሖ ገዛ’ዩ። በዓል ክልተ ደርቢ ዘመናዊ ቤት ኣደይ ቅዱሳን መሰረት ካብ ዝተነብሮ ክሳብ ኣብ ኣጋ ምዝዛም ዝበጽሓሉ፣ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ተመላሊሰዮ’የ። ብጽባቐን ዘመናውነትን ናይቲ ቤት ከይተደነቕኩ ኣይተረፍኩን።

     ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብመጠን እቲ ንመንግስቲ ዘርእይዎ ደገፍን ዘለዎም መጠን ገንዘብን ዝደለይዎ ብዝሒ ቤትን መሬት ክውንኑ ምኽኣሎም ናይ ዓይኒ ምስክር’የ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስመራ፣ ክልተ ወይ ሰለስተ መንበሪ ኣባይቲ ንመዛወሪ ኸኣ ኣብ ባጽዕ ተወሳኺ ቤት ዝወነኑ ሰብ ወጻኢ ብኣካል’የ ዝፍለጥ። እዚ ገና ወኒኖም ዘይጸገብዎ መሬት፣ መን ይሕልዎ ኣይንታዮምን’ዩ። ግደ ሓቂ ሓደ ዜጋ ናብ ሃገሩ ከኣቱ እንተኮይኑ ርእሱ ዘጽልለላ መዕረፊት ክትህልዎ ቅኑዕ’ዩ።

     መእተዊ ክኾነካ ዑና እናዳቦኻ ሓንቲ ቤት ስርሓላ እናበሉ ንሓደ ብኣካል ዝፈልጦ መቕርበይ ወግሐ ጸብሐ ድቓስ ዝኸልእዎ ኣብ ገጠር ዝምቕማቕቶ ኣቦ ኣለዉ።። መእተዊ ዘይብሉ ሰብ ዓዱ ንኽኣቱ ኣጸጋሚ’ዩ። ኤርትር ልዕሊ 20 ዓመታ ናጽነታ ካብ እትርከብ፣ ናብ ስደት ዝጓረት ደኣ’መብር ንዑናይ ዓዲ ዝብል ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ምስ ምዃኑ ኣሻቓሊ’ዩ።

     ኣደይ ቅዱሳን ኣብ ስደት ኣስታት 40 ዓመታት ጸኒሐን’የን። እናሻዕ’ውን ናብ ኤርትራ እናተመላለሳ ነዛ ብምንዮት ዝሃነጽኣ ቤት ዓይነን መሊኤን ከምዝርኣያኣን ኣብ ውሻጥኣ ማሙቐን ከምዝሓደራን ብሓበን’የን ዘውግዓሉ። ቤተን ከም ናይ ኤምባሲ ሰራሕተኛታት ንዝኣመሰለኡ ወጻእተኛታት ከካርይኦ ምሕሳበን ግና ከየተሓሳሰበኒ ኣይሓለፈን።

     ኣደይ ቅዱሳን፣ ብሰንኪ እዚ ቤት’ዚ ኣብ ቃኘው ምስ ዝርከብ ተጋዳላይ ሓወን ከምዝተቐያየማ ኣብ ፈለማ ሌላይ ምስቲ ቤት ሰሚዐ ኣለኹ። ክንድዚ ዝኣክል ቤት ሃኒጸን፣ ክልተ ክፍሊ ንሓወን ክልግሳሉ ዘይምድላየን ብዙሓት ቆልዑ ስለዘለወን’ዩ ዝመስለኒ ዝነበረ። ፍልጠትና ብኣካል ምስ ኮነ ግና ኣደይ ቅዱሳን ብሰፊሕ ቤት ደኣ’ምበር ብውላድ ሲ እዛ ዓለም በረኸታ ኣይለገሰትለንን።

Grave

     ብሕጊ ፈረንሳ፣ ኣብታ ሃገር ዝነብር ዝኮነ ሰብ ዓይኒ ምድሪ፣ መሕጸብ ሰብነትን ክሽነን ዘጠቓለለት እታ ዝነኣሰት 3 ብ 3 ሜትሮ ዝዓቀና መጽለሊት ክረብ መሰረታዊ መሰሉ’ዩ። እቶት ዘለዎ 10 ሚእታዊት ካብኣታዊኡ ይኸፍለላ። ዝኾነ ኣታዊ ከምዘይብሉ ዝተረጋገጸ ሰብ ከኣ ክሳብ ርእሱ ዝኽእል፣ ኣገልግሎት ማይን ኤሌክትሪክ ደሚርካ ብናጻ ክሰፍራ ይፍቐዶ።

     ኣደይ ቅዱሳን እሞ ኸኣ ኣርባዓ ዓመት ኣብ ፈረንሳ ዝተቀመጣን መሰል ጥሮታ ዘለወንን ግዳ ክንደየናይ ካብዛ መሰረታዊት መሰል መጽለሊት እትብሃል ቤት እትሰፍሕ ንምውናን ዘይክእላ። ኣብ ዓደን ክልተ ደርቢ ህንጻ ምስ ቪላን ሰርቪስን ብምውናን ክፍስሃን ከሳፍሓን’የም ዝመርጻ እዘን ክብርቲ ኣደ። ሓቀን ከኣ፣ ኣብ ዓድኻ ምስ ሰብካ ኣሳፊሕካ ብሰላም ምንባር ዘየመኒ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉዳይ መሬትን መንበሪ ኣባይትን ምስ ቤተሰብ ብሰላም ከንብር እንተኽእሉ ማለተ’ዩ።

     ክንድዚ ዝኣከል ዓመታት ኣብ ስደት ጸኒሐን፣ ዘዝረከብኣ ሳንቲን እናጠራቐማ ዝሰርሕኦ ጽባቀን ስፍሓትን ዝወነነ ቤተን ፈለማ ምስ ገዛእ ርእሰን ከምዘራጸመን ካብ ፍልስፍና ዕላለን ዝተረዳእኩ መሰለኒ። “ክንድዚ ዝኣከል ቤት ስለምንታይ? ወረግ እንቋዕ ተሰርሐ ዓይነይ እኳ ጽቡቕ እርኢ። ኣብ ኣዝማዳይ ድማ ክብሪ እረክብ። እቶም ኣብ ቤተይ ዝነበሩ ኣዝማዳይ ይኹኑ ተኻረይቲ ድማ ከም ጎይታኦም የኽብሩኒ…..’ ባዕላዊ ሕቶን ርእይቶን ከይተሓዋወሰን ኣይተርፍን።

     ኣብ ፈረንሳ ናይ ጥሩታ ግዜአን ስለዝኣኸለ፣ ካብ ስራሕ ክፋንዋ’የን ምዃነን ፍሽክ እናበላ’የን ዝደጋግማኣ። ንፈረንሳውያን ጥሩታ ምውጻእ ማለት፣ እኹል ግዜን ገንዘብን ንምዝንጋዕን ዕረፍትን ማለት’ዩ። ነደይ ቅዱሳን ጥሮታ እንታይ ማለት ምዃኑ ብልክዕ ኣይፈለጥኩን። ምናልባት ጠቕሊለን ናብ ዓደን ክኣትዋ’ሞ ኣብቲ ዝሃነጽኦ ቤት ከሳፍሓን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ፈረንሳ እናተመላለሳ ናይ ጥሮታ መሰልን ክረኽባን ዝብል ግምት’ዩ ዘሎኒ። ኣበየናይ ዓይነት ስራሕ ተዋፊረን ምንባረን ዝፈለጥክዎ ነገረ የብለይን።

     “ብሕጊ ሰራሕተኛታት ፈረንሳ እቲ ዝወሓደ ወርሓዊ ደሞዝ ሓደ ምዱብ ሰራሕተኛ 1200 ኤሮ ስለዝበጽሕ፣ ብመሰል ጥሮታ 900 ኤውሮ ንወርሒ እንተረኺበን ኣብ ዓደን ከም ልበን ከገላብጠን’ዩ። ኣብ ልዕሊኡ’ውን ዝካረ ሰፊሕ ቤት ኣለወን። ኣደይ ቅዱሳን ናብ ዓደን ተመሊሰን እንተነበራ የዋጽአን’ዩ። ምዃን ከኣ እንታይ ክዓብሰለን? ነዛ ዓለም ካብ እግራ ክሳብ ርእሳ፣ ካብ ባሕራ ክሳብ ምድራ እንተዞርኣ ዶ ምሐሸን? ምዃን እቲ ውሽጣዊ ዕረፍቲ ዝህበንን ንድሌታተን ዘርውን ባዕለን ፈሊጠንኦ ኣለዋ።” ኣብ ዝብል ናይ ገዛእ ርእሰይ ህውተታ ኣተኹ። ካብ ሓልዮት ናይዘን ክንዲ ወላዲተ ዝኾና ኣደ ዝነቀለ ህውተታ’ዩ።

     ክንዲ ወላዲተይ ዝኾና ኣደ ዝበዝሐ ዕድሚኤን ኣብ ስደት እሞ ኸኣ ብዘይ ውላድ ክብደቱ፣ ኣመና ኣጨነቀኒ። ዓድና’ሞ ብሩኽ እንድዩ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ጥዑም ተፋቒሩ’ዩ ዝነብር፣ ውላድ ጎረቤት ተኾነ’ውን ውላድካ’ዩ ዝብል ሓረግ ንነዊሕ እዋን ዝሰማዕክዎን ዘዕበየንን’ዩ። ነዘን ኣደ ከምኡ ክኾነለን ተመነኹ። ቀዲመ ዝረኸብክዋ ሓበሬታ ግና መንበሪ ጨኒቕዎ ኣብ ቃኘው ተሰኽሲኹ ምስ ዝነብር ዘሎ ተጋዳላይ ሓወን ብሰንኪ እዚ ዝሃነጽኦ ሰፊሕ ቤት ክቓደዋ ዘይምኽኣለ ሰላም ከልኣኒ። “ዘዕርፋሉ ዕድመ ጥሮታ፣ ናብ ታዕታዕን ፈቐዶ ቤት ፍርድን ከይመላለሳ ደኣ ይስተረን።” ሰጋእኩ። ንነገሩ ኣብያተ ፍርዲ ኤርትራ’ውን ብጉዳይ ፍትሕን ውርሻ መሬትን ንዝተሃናኾቱ ሰብ ሓዳር፣ ኣዝማድን ቤተሰብን ካብ ምስሳይ ዝሓልፍ ካልእ ቁምነገር’ውን የብሉን።

stm1

     ኣብ ምዕራባዊ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ ዝብሃል ዞባ ኣሎ። ሓድ እዋን ኣብ ታሪኽ ንጉስ ብሪጣንያ ንጓል ንጉስ ፈረንሳ ስለዝተመርዓወ፣ ከም ኣካል ግዝኣቱ ስለዝጸንበሮ’ዩ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዞባ ብሪጣንያ እናተባህለ ዝጽዋዕ። ፈረንሳውያን እኳ ‘ብሪታኝ’ዮም ዝብልዎ። እዚ ቦታ’ዚ ኣውራ ዝፍለጠሉ ብመገሻ ባሕሪ። ኣብ ገማግም ናይቲ ናብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ቦታ ንምርኣዮም ዝምስጡ ደሴታት ኣለዎ። ካብ ሓደ ኪሎሜተር ኣይርሕቑን’ዮም። እዞም ደሴታት እዚኣቶም፣ ባሕሪ ኣብ ዝገሸሉ ብእግሪ’ዮም ዝብጽሑ። ምጋሽ ባሕሪ ናይቲ ከባቢ ክሳብ 5 ኪሎሜተር ዝበጽሓሉ ግዝያት ኣሎ። ምልኣት ባሕሪ ድማ ናብ ደንደስ እተን ከተማታት እናተጸግዐ ንነበርተን ብመሳኹቲ እናተቀልቐለ ዘፋጥጠሉ ወቕቲ ውሑድ ኣይኮነን።

     ኣብ ሓንቲ ካብዘን ደሴታት፣ ኣብ እዋን ማእከላይ ዘመን ‘ቅዱስ ሚኪኤል ዝተሰምየ ቤተክርስትያን ተሃኒጹላ’ዩ። ቤት ክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል- ሳን ሚሸል- ኣብ እዋን ምልኣት ባሕሪ ብማዕበል ብዝናወጽ ውቅያኖስ’ያ ትኽበብ። በጻሒኣ ካብ ርሑቕ’ዩ ዝፋነዋ። ባሕሪ ኣብ ዝገሸሉ ኸኣ በጻሕቲ በእጋሮም እናተጓዕዙ ናብ ውሻጠ እቲ ቤት መቕደስ ይበጽሑ። ባሕሪ ካብ መገሻኡ ከይተመልሰ ድማ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰዓታት ናብ መንቀሊኦም ይቐዳደሙ። ኣብዚ ቦታ’ዚ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ሰዓት፣ መገሻን ምልኣትን ባሕሪ ኣሎ።

     ካብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል ወይ ሳን ሚሸል ብማዕዶ ተፈናቲተን ዝርኣያ ንኣሽቱ ደሴታት ብዙሓት’የን። ገሊኤን ናይ ብሪጣንያ ገሊኤን ድማ ናይ ፈረንሳ’የን። በቲ ናይ ፈረንሳ ወገን ብዙሕ ታሪኽ ዘለወን ክልተ ንኣሽቱ ደሴታት’ውን ኣለዋ። ንእሽቶ በን ዓባይ በ’የን ዝብሃላ። ፊደላት ግእዝ ኣብ ዝተማሃርክሉ እዋን፣ በ በጊዕ ክብሃል ደ’ኣምበር ንእሽቶ በ ወይ ዓባይ በ ዝብሃል ሲ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። እንሆ ኣብ ፈረንሳ ግና ይርእየን ኣለኹ። ናብዘን ደሴታት እተምርሓሉ መንገዲ በቲ ብዙሓት በጻሕቲ ንምዝንጋዕ ዝመርጽዎ ሳን ማሎ ዝተባህለ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ’ዩ። ሳን ማሎ ሓደ ካብቲ ሚልዮናት በጻሕቲ ሃገር ዘዘውትርዎ ምራዩ ዘብህግ ከባቢታት እታ ሃገር’ዩ።

     ንታሪኽ ንእሽቶ በን ዓባይ በን ከም ኣቡጊዳ ዝሸምድድዎ ብዙሃት ገጢሞሙኒ ኣለዉ። ብፍላይ ደሴት ዓባይ በ፣ መቓብር ናይቲ “ዝሰፍሐ ዓለም እናሃለወኒ በእማን ኣብ ዝተሃንጸ ቤት ጸቢቡኒ ዝብለሉ ምኽንያት የሎን።” ዝብል ፍልስፍና ዝነበሮ ፈረንሳዊ ደራሲን ፖለቲከኛን ሻቶብርያን ኣሎ። ሻቶብርያን፣ ዝበዝሐ ህይወቱ ኣብ ስደትን ቃልሲ ንለውጥን ዘሕለፈ’ዩ። ኣውራ’ኳ ኣብ ግዜ ሰውራ ፈረንሳ። እጹብ ነቓፊ ናፖልዮን’ዩ ዝነበረ። ንናፖልዮን ምስ ኔሮ ብምውድዳር ዝጸሓፈሉ ግዜ’ውን ኔሩ’ዩ። እዚ ኣቦ ሮማንቲካዊ ስነ ጽሑፍ ፈረንሳ እናተባህለ ዝግለጽ ደራስን ፖለቲከኛን ምስ ዓባይ በ ፍቕሪ ኔርዎ’ዎ። ናብ ገማግም እቲ ዝዓበየሉ ባሕሪ ሳን ማሎ እናመጸ’ውን ኣብቲ ንማዕበል ከህድእ ተባሂሉ ዝተተኽለ ናይ ዕንጸይቲ ኣዕኑድ ከም ቆልዓ ይጻወት ምንባሩ ይዝንቶ።

     ሻቶብርያን ብጽኑዕ ኣብ ዝሓመመሉ ድማ ሓንቲ ነገር ጥራይ’ዩ ለሚኑ። ንሳ ድማ ኣማሓዳሪ ሳን ማሎ ኣብታ ብፍቕራ ዝዓበደ ደሴት ዓባይ በ ክቕበር ክፈቕደሉ ነበረ። ኣማሓዳሪ’ውን ንምሕጽንታ እቲ ኣብታ ከተማ ዓቢ ዝና ዝነበሮ ሻቶብርያን ተቀቢልዎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኸኣ ነታ ኣብ እዋን ምልኣት ባሕሪ ባይና ንላዕሊ ዊጥ ዝበለት መቓብር ሻቶብርያን ንምርኣይ ሚልዮናት በጻሕቲ’ዮም ዝውሕዙ።

stm2

     ኣደይ ቅዱሳን ታሪኽ ሻቶብርያንን ደሴታት እዛ 40 ዓመታት ዝተቀመጣላ ፈረንሳን እኹል ኣፍልጦ ብዛዕባ ምህላወን ርግጸኛ ኣይኮንኩን። ታሪኽ ገድሊ፣ እብ እዋን ቃልሲ ንሰውራ ዘበርከትኦ ወፈያታት፣ ናጽነት ምምጽኣ ዝፈተረለን ሓጎስን ካልእ ዕላላትን መሊኡወን’ዩ። ብናተንን ናይ ኩለን ኣዴታትን ደገፍ መጺኣ ዝብልኣ ናጽነት፣ ኣውራ ዝፈየደቶ ነገር እንትሃለወ ስደት ዜጋታታ ዋላ’ኳ እንተኾነ።

     ዘሎ ስርዓት ንመሬትን ፖለቲካን ኣብ ሓደ ዘጣመረ’ዩ። ኣደይ ቅዱሳ’ውን ካብዚ መስመር’ዚ ክወጻ ኣይከኣላን። ናብ ኤርትራ ኣብ ዝተመላለሳሉ ሓያሎ ግዜ ዘዕግብ ምሕደራ ከምዘይሎ ተዓዚበን’የን። ብእዝነን ዝሰምዖ ወረ ሃገርን’ውን ሕማቕ ጥራይ’ዩ። ኣፈን መሊኤን ነቓፊቱ ክኾና ስኽፍታ ኣለወን። ኤርትራውያን ኣብ ዝተኣከበሉ ኣጋጣሚታት ዝበዝሐ ዕላሎም ሓደ ነቔፌታ ነቲ መንግስቲ’ዩ ሓደ ደገፍ’ዩ። ኣብዛ ብምኽንያት ልደት ሕጻን ኣብ ፓሪስ ተዓዲመላ ዘለኹ ኣጋጣሚ’ውን ከምኡ’ዩ። ኣደይ ቅዱሳን ግና ካብዚ ክልትኡ ናጻ ክኾና ዝደለያ መሰላ። ናብቲ ግሁር ዕላል ክስሕበን ዝደሊ ወገን፣

     “ሸምጊልና እንዲና መቓብርና እባ ከነጸብቕ።” እንኮ ዝሃብኣ ርእይቶ ነበረት።

     በዓል ክልተ ደርቢ፣ ቪላን ሰርቪስን ዝኣመሰለ ቤት ሃኒጸን፣ መቓብር ምዝካረን ንባዕሉ ፍልስፍና ኮይኑ ረኺበዮ። ኤርትራውያን ኣብ መሬት ዘለዎም ኣረኣእያ ብብዙሕ መልክዓቱ ከስተንትን ከኣ ሓጊዙኑ። እቲ ምስትንታን ቀጻሊ’ዩ። ኤርትራዊ ክንድምንታይ መሬት’ዩ ዘድልዩ?

 

ዕባይ ኣኽርያ ካብ ፓሪስ
16 ሚያዝያ 2015

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0