ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ንጉሰ ኣምለሶም፡ ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ማራቶን፡ ተሸላሚ ብሩር ሜዳልያ ኮይኑ

Radio Erena: 12 December 2021

ኤርትራዊ ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ንጉሰ ኣምለሶም (ወዲ ሓኪም)፡ ሎሚ ሰንበት12 ታሕሳስ፡ ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተሰላሰለ፡ ውድድር ጉያ እግሪ ዙሪክ ማራቶን ማላጋ፡ ካልኣይ ብምውጻእ ተሸላሚ ብሩር ሜዳልያ ኮይኑ።

ኣብ’ዚ 9 ሽሕ ኣትሌታት ዝተሳተፉሉ ውድድር፡ ኬንያዊ ማርክ ኮሪር ንውድድሩ ብ2 ሰዓታት፡ 7 ደቓይቕን 39 ካልኢታትን ብምፍጻም ቀዳማይ ኮይኑ ኣብ ርእሲ ምዕዋቱ ንክብረወሰን ዙሪክ ማራቶን ማላጋ ድማ ኣመሓይሹ።

ኣብ መወዳእታ 30 ደቓይቕ ኣብ መንጐ ክልተ ኬንያውያን ኣትዩ ሓያል ምትህልላኽ ዘካየደ ንጉሰ ኣምለሶም ብወገኑ፡ 44 ካልኢታት ድሒሩ ኣብ መዛዘሚ ሕንጻጽ ብምብጻሕ ንናይ ውልቒ ዝበለጸ ግዚኡ ብኣስታት ክልተ ደቓይቕ ኣመሓይሽዎ።

ካልእ ኬንያዊ ሰለሞን ኪርዋ ከኣ፡ ብንጉሰ ብ20 ካልኢታት ተበሊጹ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0