ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሴ ኣብ ውድድር ማራቶን ኒው ዮርክ ሲቲ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ

 Radio Erena: 06 November 2016

Ghir

ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሴ፣ ሎሚ ሰንበት 6 ሕዳር፣ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ እግሪ ማራቶን ቀዳማይ ብምዃን ናይ ዓወት ኣኽሊል ደፊኡ።

ሻምፕዮን ማራቶን ዓለም 2015 ዝኾነ ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሴ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኒው ዮርክ ሲቲ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ተሸላሚ ወርቂ ማዳልያ ምዃኑ፣ 100 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ’ውን ተዓዊቱ ኣሎ።

ግርማይ ገብረስላሴ፣ ኣብዚ ዓበይቲ ተቀዳደምቲ ጉያ እግሪ ዓለምና ዝተወዳደርሉ ናይ ኒው ዮርክ ማራቶን፣ ንኬንያዊ ሉካስ ሮቲች፣ ኢትዮጵያዊ ለሊሳ ደሲሳን ካልኦት ህቡባት ኣትሌታትን ብምርሕራሕ’ዩ ነዚ ዓወት በቒዑ።

 ወዲ 20 ዓመት ኣትሌት ግርማይ፣ ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ 2015፣ ኣብ ናይ ማራቶን ፈላሚ ናይ ወርቂ ዓወቱ ብምጉንጻፍ ግኑን ስም ካብ ዘጥረዩ ኣትሌታት ዓለምና’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0