ኤርትራዊ ኣትለት ፔትሮ ማሞ፣ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ብምውሳዱ ተኣጊዱ፣ ዝወሰዶ ማዳልያታት ተቐንጢጡ

ኤርትራዊ ኣትለት ፔትሮ ማሞ፣ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ብምውሳዱ ተኣጊዱ፣ ዝወሰዶ ማዳልያታት ተቐንጢጡ

Radio Erena: 22 October 2017

Mamu

ሻምፕዮን ውድድር ጉያ እግሪ ጎቦ ዓለም፣ ኤርትራዊ ኣትለት ፔትሮ ማሞ፣ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ኣብ ደሙ ስለዝተረኸበ፣ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ዝኾነ ዓይነት ውድድራት ክእገድ ኣህጉራዊ ማሕበር ፈደረሽን ኣትለቲክስ – IAAF ወሲኑ።

እቲ ኣብ ናይ ርሕቀት ውድድር ጉያ እግሪ ጎቦ ዝቀዳደም ኣትለት፣ ኣብ ዝተኻየደሉ ናይ ደም መርመራ፣ ንኣዝማ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ መድሃኒ ዝርከብ ሓይሊ ዝህብ ባእታ ከምዝጸንሖ’ዩ እቲ ናይ IAAF ሓበሬታ ዝገልጽ።

IAAF ኣብ መግለጺኡ ብተወሳኺ፣ እቲ ኤርትራዊ ኣትለትል ካብ 19 መስከረም ኣትሒዙ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቅድድም ከይወዳደር ብምእጋድ፣ ካብ 30 ሓምለ ኣትሒዙ ንዝተዓወቶም ክብርታት’ውን ቀንጢጥዎ ኣሎ።

ኣትለት ፔትሮ ማሞ ካብ ዝተቐንጠጦም ክብርታት፣ ኣብ ኢጣልያ፣ ከተማ ፕረማና ዝተዓወቶ ሻምፕዮን ውድድር ጉያ እግሪ ጎቦ ዓለም ይርከቦ።

እቲ ኤርትራዊ ኣትለት፣ ዝፈጸሞ ጌጋ ብምእማኑን ምስ ኣህጉራዊ ማሕበር ፈደረሽን ኣትለቲክስ ክተሓባበር ብምውሳኑን፣ ካብ ዝኾነ ቅድድም ክእለ ንክልተ ዓመታት ክእገድ ተወሲኑ ንዝነበረ ብይን ናብ ትሽዓተ ኣዋርሕ ከምዝቐነሰሉ IAAF ኣገንዚቡ።

እንተኾነ ኣህጉራዊ ማሕበር ጉያ እግሪ ጎቦ፣ እቲ ንኣትለት ማሞ ዝተወሰነሉ ናይ ትሽዓተ ኣዋርሕ እገዳ፣ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ናይ ሻምፕዮን ቅድድም ንኽሳተፍ ስለዘርክበሉ፣ ቅኑዕ ውሳነ ኣይኮነን ብምባል፣ መቕጻዕቱ ክናዋሕ ሓቲቱ ኣሎ።

እቲ ማሕበር ንኣትለት ፔትሮ ማሞን ምስ IAAF ክተሓባበር ምውሳኑን ዘለዎ ኣኽብሮት ብምጥቃስ፣ እቲ ዝተዋህቦ መቕጻዕቲ ግና ኣኻሊ ኣይኮነን ክብል ተቓውምኡ ገሊጹ።

ኤርትራዊ ፔትሮ ማሞ ዝተቀንጠጦ ክብሪ ሻምፕዮን ቅድድም ጉያ እግሪ ጎቦ ዓለም፣ ነቲ ካልኣይ ኮይኑ ዝተዓወተ ናይ ምስግጋር መስርሕ፣ ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝዳሎ ጽምብል ክካየድ’ዩ።

ወዲ 33 ዓመት ኣትለት ፔትሮ ማሞ፣ ዝተዓወቶ ወርቂ ማዳልያን ናይ ገንዘብ ሽልማትን ክመልስ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0