ናብ ኢትዮጵያ ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ቁጽሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዛዪዱ

ናብ ኢትዮጵያ ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ቁጽሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዛዪዱ

Radio Erena: 22 October 2017

adi harushኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ን15 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ከምዘጎዓዓዘ ሓቢሩ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ምስ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምምሕዳር ስደተኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ነቲ ምጉዕዓዝ ከምዘካየዶ ብዓርቢ ዕለት 20 ጥቅምቲ፣ ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ከምዝሓበሮ፣ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዞም ኣብቲ ብእንዳባ ጉና ዝፍለጥ መጻረዪ መዓስከር ዝኣተዉ ኣስታት 15 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ትግራይ ናብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ፋሕ ከምዘበሎም ገሊጹ።

 

ወኪል ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ካብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብወገኑ፣ ወርሓዊ ኣስታት 100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ክጎዓዓዙ ከምዝጸንሑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ቁጽሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዛዪዱ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ወግዓዊ ጸብጻባት ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ዓመተ 2016፣ 21,215 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ክሓቱ እንከለዉ፣ እዚ ዓመት’ዚ ግና ገና ከይተወደአ እንከሎ፣ ልዕሊ 20 ሽሕ በጺሖም ከምዘለዉ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ኣይ.ኦ.ኤም. ይሕብር።

ዝበዝሑ ካብዞም ናብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ስደተኛታት ተዘዋዊሮም ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ክኾኑ እንከለዉ፣ 46 ሚእታዊት ካብኦም፣ ካብ 18 ክሳብ 24 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖም ይግለጽ።

እዞም ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰግሩሉ እዋን፣ ብእግሪ ስለዝጎዓዙ ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከቢድ ጸገም ከምዘጋጥሞም ቃሎም ንኣህጉራውያን ትካላት ዝሃቡ ኤርትራውያን ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0