ኤርትራዊ ኣትለት፣ ንጋንታ ስደተኛታት ብምውካል ኣብ ኦሎሞፒክ ፓሪስ 2024 ክወዳደር’ዩ

Radio Erena: 25 April 2023

ኣብ እስራኤል ዝነብር ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ኣትለት ተኽለወይኒ ገብረየሱስ፣ ንጋንታ ስደተኛታት ብምውካል፣ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ንኽወዳደር ተሓርዩ።

መርበብ ሓበሬታ ኦሎምፒክ ብዝዘርግሖ ዝርዝር መሰረት፣ ካብ 12 ሃገራት ተሰዲዶም፣ ኣብ 16 ሃገራት ዝነበሩ 44 ኣትሌታት፣ ንጋንታ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምውካል፣ ኣብ 12 ዝተፈላለየ ዓውድታት ክወዳድሩ’ዮም።

ምስዛ ጋንታ ተሓቝፉ ዘሎ ኣትለት ተኽለወይኒ፣ ኣብ ናይ ርሑቕ ውድድር ጉያ እግሪ ክሳተፍ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ወዲ 25 ዓመት ኣትለት ተኽለወይኒ፣ ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ቶክዮ’ውን ከምዝተሳተፈ ዝዝከር ኮይኑ፣ ባንዴራ ኦሎምፒክ ጸይሩ ንጋንታ ስደተኛታት ብምምራሕ ናብ ሜዳ ከምዝኣተወ ኣይርሳዕን።

ኣብቲ እዋን፣ ኣብ ማራቶን ዝተሳተፈ ኣትለት ተኽለወይኒ፣ መበል 16 ደረጃ ሒዙ’ዩ ንውድድሩ ዛዚሙ።

ብሰንበት 23 ሚያዝያ፣ ኣብ ሰርብያ፣ ከተማ ቤልግሬድ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ድማ፣ ንጋንታ ስደተኛታት ወኪሉ ብምቅድዳም፣ ምስ ቀዳሞት 10 ተሰሪዑ።

ተኽለወይኒ፣ ወዲ 12 ዓመት እንከሎ፣ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን፣ ካብኡ ናብ ብግብጺ፣ ብሲናይን ኣቢሉ ድማ ናብ እስራኤል ናብ ስደት ከምዘምርሐ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኦሎምፒክ ተሰዲኑ ዘሎ ታሪኽ ህይወቱ ይሕብር።

ኣትለት ናይ ምዃን ሕልሚ ዝነበሮ እዚ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ከቢድ ናይ እስራኤል ናይ ስደት ናብራ በዲሁ፣ ናብዚ ኣህጉራዊ መድረኽ ከምዝበጽሐ እቲ ሰነድ ብተወሳኺ ይጠቕስ።

ኤርትራ፣ ምስ ካልእ ሃገራት ዓለም ክትነጻጸር እንከላ፣ ብስፍሓት ኣዝያ ንእሽቶን ውሑድ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ሃገር እኳ እንተኾነት፣ ብስደት ግና ምስ ቀዳሞት ‘ያ ትስራዕ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0