ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ ካብ ሱዳን ዜጋታተን የውጽኣ ኣለዋ

Radio Erena:24 April 2023

ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ብሪጣንያን፣ ኣብ ሱዳን ዝጸንሑ ዜጋታተን የውጽኣ ኣለዋ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲኣ ንግዜኡ ከምዝዓጸወት ብምግላጽ፣ ሰራሕተኛታት ‘ቲ ኤምባሲ ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ዜጋታታ፣ ብሄሊኮፕተራት ናብ ጂቡቲ ከምዘግዓዘት፣ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጆ ባይደን ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ ኤምባሲኣ ዝዓጸወት ፈረንሳ ብወገና፣ ፍሉያት ነፈርቲ ብምልኣኽ ልዕሊ 200 ዜጋታታት ከምዘውጽአት ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣፍሊጡ።

ብሪጣንያ’ውን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ዝርከብዎም ዜጋታታ ከምዘውጽአት ‘ዩ ተሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣቐዲማ ልዕሊ 120 ዜጋታታ ብመንገዲ ፖርትሱዳን፣ ብመርከብ ኣውጺኣ’ያ።

ካብቲ ኵናት ሃዲሞም፣ ብመንገዲ ዶብ፣ ብመተማ ዝሰገሩ ልዕሊ 25 ሶማላውያን’ውን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣቃሊሓ።

ካልኦት’ውን ኣሰር እዘን ሃገራት ብምስዓብ ዜጋታተን ንምውጽእ ይጽዕራ ምህላወን ይጥቀስ።

ኣመሪካ፣ ምስ ምውላዕ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ኣብ ፍሉይ ስርሒት ዝዋፈር ኣስታት 800 ወትሃደራት ዝሓቖፈ ኣሃዱ፣ ብ15 ሚያዝያ ከምዘበገሰት ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ፈረንሳ’ውን ኣብ ጂቡቲ ካብ ዘለዋ ሰራዊት ብምውፋር’ያ ዜጋታታት ካብ ሱዳን ኣውጺኣ ዘላ።

ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ብፈጣን ሓይሊ’ ዝፍለጥ ተወርዋሪ እዚን ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ እናበኣሰ ብምምጽኡ፣ ዛጊት ልዕሊ 420 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ’ዩ ዝሕበር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0