ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፣ ናይ 2013 ዝበለጸ ስፖርታዊ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመሪጹ

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፣ ናይ 2013 ዝበለጸ ስፖርታዊ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመሪጹ

Radio Erena: January 6, 2014

 

nati win

ፕሮፈሽናል ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ፣ ናይ 2013 ዝበለጸ ስፖርታዊ ናይ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ ከምዝተመርጸ ካብ africatopsports.com ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ናትናኤል ብርሃነ ምስ በዓል ሳሙኤል ኤቶ፣ ዲድየር ድሮግባን ያያቶርን ዝረክብዎም 10 ብሉጻት ኣፍሪቃውያን ስፖርታውያን ተረቝሑ ብምጽናሕ’ዩ፣ ክሳብ ትማሊ 5 ጥሪ ካብ ህዝቢ ብዝተኣከበ ድምጺ ቀዳማይ ዝበለጸ ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ።

 

ምስ ፈረንሳዊት ክለብ ዩሮፕካር ዝወዳደር ፕሮፈሽናል ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ናትናኤል ብርሃነ፣ ብመንገዲ africatopsports.com ብዝተኣከበ ድምጺ፣ 4336 ደገፍ ብምርካብ ብ44% ቀዳማይ ኮይኑ ክንረጽ እንከሎ፣ ምስ እንግሊዛዊት ክለብ ኩዕሶ እግሪ ማንቸስተር ሲቲ ዝጻወት ወዲ ኣይቮሪኮስት ያያ ቶረ ድማ 2814 ድምጺ ብምርካብ ብ29% ካልኣይ ኮይኑ ተመሪጹ።

ተዓዋታይ ዙር ቱርኪ 2013 ዝኾነ 23 ዓመት መሊኡ ዝርከብን ናትናኤል ብርሃነ፣ ዓሚ’ውን ዝበለጸ ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይኑ ተዓዊቱ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝበለጸ ስፖርታዊ ኣህጉር ኣፍሪቅ ናይ 2012 ኮይኑ ዝተመርጸ ብተመሳሳሊ ኤርራዊ ተቐዳዳምይ ብሽክለታ ዳኒኤል ተኽልሃይማኖት’ዩ።

ሬድዮ ኤረና ንናትናኤል ብርሃንን ኩሎም ኣፍርቀርቲ ስፖርትን ደገፍቱን እንቛዓ ሓጎሰኩም ትብል።

==============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0