ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 233 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣድሒኑ

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 233 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣድሒኑ

Radio Erena: January 3, 2014

Imigra Res

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 233 ስደተኛታት ካብ ማእከል ባሕሪ ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ።

እቶም ሸውዓተ ደቂንስትዮ ዝርከብኦም ዜጋታት ኤርትራ፣ ናይጀርያ፣ ሶማል፣ ፓኪስታን፣ ዛምብያን ማሊን ዝኮኑ 233 ስደተኛታት ብጃልባ እናተጓዓዙ ናይ ባሕሪ ሓደጋ ኣብ ዘንጸላለወሎም እዋን’ዩ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ብንኣሽቱ ጀላቡ እናገበረ ናብ ዓባይ ናይ ኵናት መረክብ ከሰጋግሮም ዝኸኣለ።

ብምሉኦም እቶም ብወትሃደራዊት መርከ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ዝደሓኑ ስደተኛታት ድማ ኣብ ሲሲልያ ብሰላም ኣትዮም ኣለዉ።

ድሕሪ’ቲ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ዘህለቐ ናይ ላምፔዱሳ ሓደጋ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከየጋጥመን ንምክልኻል ዝዓለመ ‘ማረ ኖስትሩም’ ዝሰመዮ ፍሉይ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ተልእኾ ኣዋፊሩ ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0