ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ናይ 2017 ተሸላሚ ኣህጉራዊ ናጻ ፕረስ ዩኔስኮ ኮይኑ

Radio Erena: 02 April 2017

Dait Issack

ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ናይ 2017 ተሸላሚ ኣህጉራዊ ናጻ ፕረስ- ሕቡራት ሃገራት ዩኔስኮ ማለት ማሕበር ሳይንስ፣ ትምህርትን ባህልን ሕቡራት ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ።

ዩኔስኮ ብዕለት 30 መጋቢት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ካብ 2001 ዓመተ ምህረት ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከብ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፣ ምእንቲ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝኸፈሎ ተወፋይነትን ብዘርኣዮ ትብዓትን ነዚ ሽልማት’ዚ ከምዝበቕዐ ኣፍሊጡ።

ኣብ መስከረም 2001 መንግስቲ ኤርትራ ሓያሎ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዘእተወሉ ዝተቐየደ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ፣ ነዚ ሽልማት’ዚ ዝተረቑሓሉ ካብ መላእ ዓለም ዝተኣከቡ ሰብ ሞያ ሜድያ ብዝሃብዎ ድምጺ ምዃኑ ዩኔስኮ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ መግለጺኡ፣’ ሓያሎ ተባዓት ጋዜጠኛታት ህዝቦም ሓበሬታ ኣብ ምምጋብ ብዝወስዱዎ ስጉምቲ ክቕተሉ እንከለዉ፣ ካልኦት ከኣ ይእሰሩ። ዳዊት ኢሳቕ ከኣ ን16 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ስለዝርከብ፣ በዚ ሽልማት’ዚ መላእ ዓለም ‘ዳዊት ነጻ ይውጻእ’ ክትብል ንትስፎ’’ ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ቀዪዱዎም ዘሎ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝርከብዎም ሓያሎ ውልቀሰባትን፣ ብቤተሰቦም’ኳ ከይብጽሑ ከልኪሉ ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጠሉ ኩነታት ኣሲሩዎም ስለዝርከብ ካብ ሓያሎ መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን ክሲ ክቐርበሉ ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ’ኳ ስድራቤት ግዳያት ን16 ዓመታት ብዘይዝኾነ ደሃይ ኣብ ትጽቢት ስለዝርከቡ ክብደት ማህሰይቱ ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ኤርትራ ደሃይ እሱራት ከፍልጥ ካብ ሓያሎ ወገናት ጻውዒት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ማለት ግንቦት ሰለስተ፣ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብወግዒ ዝርከብ ስልማት፣ ናይ 2017 ስነስርዓቱ ኣብ ጃካርታ ርእሰ ከተማ ኢንዶነዥያ እዩ ክካየድ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0