ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ንሓንቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ብእምኒ ቀጥቂጡ ቀቲሉዋ

ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ንሓንቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ብእምኒ ቀጥቂጡ ቀቲሉዋ

Radio Erena: 30 September 2015

Israpol

ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል፣ ንሓንቲ መንእሰይ ኣብ ማእከል ከተማ ቴልኣቪቭ ቀጥቂጡ ከምዝቐተላ ማዕከን ዜና ዮርሳሌም ፖስት ሓቢራ።

እቲ 33 ዓመት ዝዕድሚኡ ስሙ ዘይተገልጸ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተሓበረ ቀታሊ፣ 29 ዓመት ንዝዕድሚኣ መንእሰይ ኣብ ማእከል ቴልኣቪቭ ቀጥቂጡ ኣብ ዝቐተላ ዝነበረ እዋን፣ ሓለፍቲ መንገዲ ክሕዝዎ እኳ እንተፈትኑ ነታ መንእሰይ ካብ ሞት ከድሕንዋ ግና ኣከኣሉን።

ሰኑይ 28 መስከረም ንግሆ ኣብ ጎደና ሸልኖቭ ኣብ መንጎ ቀታሊን ተቐታሊትን ንትርኽ ከምዝተላዕለ ዝጠቐሰ ፖሊስ፣ ድሒሩ እቲ ወዲ ደንጎላ ብምልዓል ነታ ጓል ኣብ ርእሳ ክቕጥቕጣ ከምዝተራእየ ሓቢሩ።

 

ቀታልን ተቐታልን ኤርትራውያን ምዃኖም’ውን ፖሊስ ገሊጹ።

ምስታ ጓል ናይ ጾታ ዕርክነት ከምዝነበሮ’ውን ዝጥቐስ ቀታሊ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እብ ቀይዲ ከምዝርከብን ናብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ’ውን ነቲ ቕትለት ከምዝኣመነሉን ዮርሳሌም ፖስት ኣረጋጊጻ።

ከምዚ ዓይነታት ተርእዮታት ገበን ኣብ ኣብ እስራኤል ኣብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ግኑን ተርእዮ እናኾነ ክመጽእ ብምጽንሑ ተደጋጋሚ እዋን ብማዕከናት ዜና ተቓሊሑ’ዩ።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0