ምፍራስ ኣባይቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዞባ ማእከል ይቕጽል

ምፍራስ ኣባይቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዞባ ማእከል ይቕጽል

Radio Erena: 30 September 2015

Fers

ኣብ ዞባ ማእከል ከባቢታት ጎዳይፍን ሕምብርትን ኣብ ናይ ጤሳ መሬት ዝተሰርሐ ሓያሎ ኣባይቲ ብትእዛዝ መንግስቲ ከምዝፈረሰ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እዚ ኣብ እዋናት በዓል መስቀልን ዒድ ኣልኣድሓን ፈሪሱ ዘሎ ሓይሎ ኣባይቲ፣ መቐጸልታ ናይቲ መንግስቲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ፣ ምዕናው መንበሪ ኣባይቲ’ዩ።

እዚ ብሕጋዊ ኣብ ዝተዓደለ ናይ ጤሳ መሬት ዝተሰርሐ ኣባይቲ ዝፈርሰሉ ዘሎ ምኽንያት፣ ገሊኡ ብዘይፍቓድ መንግስቲ ዝተሰርሐ፣ ገሊኡ ድማ ፍርቂ ናይ ጤሳ መሬት ብዘይሕጊ ዝተዓደገ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

 

ይኹን’ምበር ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ እዋን፣ ብመነባብሮ ብፍላይ ድማ ብጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ሓሲምዎ እንሃለወ፣ መንግስቲ ዝሓሸ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ክንዲ ዝሰርሕ፣ ንዝተሰርሐ ኣባይቲ ምዕናው ዝበኣሰ ቅልውላው ይፈጥር ምህላዉ ተዓዘብቲ ይጥቕሱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ዞባ ማእከልን ደቡብን ዛጊት ኣፍሪስዎ ዘሎ ኣባይቲ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ፣ ብመጠን ገንዘብ ናይ ልዕሊ 80 ሚልዮን ዶላር ይግመት።

ብሰንኪ ምፍራስ ኣባይቲ ኣማኢት ስድራቤታት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።
===============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0