ኤርትራዊት-ጀርመናዊት፣ ዓወት ተስፋየሱስ፣ ናይ ፈለማ ጸላም ኣባል ፓርላማ ጀርመን- ቡንድስታግ ኮይና

Radio Erena: 29 September 2021

ኤርትራዊት-ጀርመናዊት፣ ዓወት ተስፋየሱስ፣ ኣብ ታሪኽ ጀርመን፣ ናይ ፈለማ ጸላም ኣባል ፓርላማ – ቡንዱስታግ ኮይና።

እዛ ኣብ 1974 ኣብ ኤርትራ ዝተወልደት ጓለነስተይቲ፣ ካብ 2009 ኣትሒዛ ምስ ሓምላይ ሰልፊ እታ ሃገር ተጸንቢራ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት እታ ሃገር ክትዋሳእ ጸኒሓ’ያ።

እዛ ኣብ ዞባ ሄስ እትቕመጥ ጓል 47 ዓመት ኤርትራዊት-ጀርመናዊት፣ ንሰልፋ ብምውካል ከም ኣባል ቤት ምኽሪ ከተማ ካስልን ካልእን ኣብ ዝኣመሰለ ጽፍሕታት’ውን ኣገልጊላ’ያ።

ንሓምላይ ሰልፊ ወኪላ፣ ኣብ ቤርሊን ናብ ዝመንበሩ ፓርላም ጀርመን- ቡንዱስታግ ኣምሪሓ ዘላ ዓወት ተስፋዮሱስ፣ ኣብታ ሃገር ንዝረኣዩ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከምኡ ድማ ኣከባብያዊን ፖለቲካውያን ብድሆታት፣ ብዝልዓለ ካብ እትጣበቐሎም ኣጀንዳታት ምዃኖም ተገሚቱ ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0