ኢትዮጵያ፣ 21 ሚኒስተራት ዝሓዘ ሓድሽ መንግስቲ ክቐውም’ዩ

Radio Erena: 29 September 2021

ብኵናትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ኣብ እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ 21 ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ዝሓቖፈ ሓድሽ መንግስቲ ክቐውም’ዩ።

እቲ ሰኑይ 4 ጥቅምቲ ክቐውም ምዃኑ ዝንገር ዘሎ ሓድሽ መንግስቲ፣ ኣብ 21 ሰነ ድሕሪ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ዝበዝሐ መናብር ባይቶ ተዓዊተ’የ ብዝበል ሰልፊ ብልጽግና’ዩ ክምራሕ።

ብሰንኪ ምፍራስ ጸጥታ ኣብ ሰለስተ ክልላትን ሓያሎ ከባቢታትን እታ ሃገር፣ ምርጫ ስለዘይተኻየደ፣ መተካእትኡ ኣብ መስከረም ክካየድ መደብ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ኣብ ኵናት ተሸሚሙን ብኸቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ተዋሒጡን ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዋላ’ውን እቲ ናይ መስከረም ምርጫ ኣይካየድ፣ ሓድሽ መንግስቲ ንምቛም ዘኽእል መናብር ረኺበየ ብዝብል’ዩ፣ ዝመጽእ ሰሙን ኣባላት ካቢነታቱ ብወግዒ ንህዝቢ ከላሊ።

ኣቐዲሙ 19 ዝነበረ ብዝሒ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን’ዚ ሰለስተ ተወሲኾሞ ናብ 21 ዓሪጉ ኣሎ።

ብሰንኪ ቁጠባቒ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ 40 ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታቱን ቆስላቱን ዝዓጹ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዝሒ ካቢነ ሚኒስተራት ምውሳኹ ሓያሎ ኢትዮጵያን ፖለቲከኛታት ይነቕፉ።

ሓድሽ ዝቐውም መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ብግዝያውነት ክመርሕ ዝጸንሐ መንግስቲ ብዙሕ ፍሉይነት ከምዘይህልዎ ዝገልጹ ተተንቲ ፖለቲካ፣ ዝዓበየ ብድህኡ ኵናት ትግራይ ኮይኑ ከምዝቕጽል ኣስሚሮምሉ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0