ኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም ሽልማት ‘ጅግና ኣፍሪቃ’ (African Heroine) ተዋሂባ

ኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም ሽልማት ‘ጅግና ኣፍሪቃ’ (African Heroine) ተዋሂባ

Radio Erena: April 14, 2014

Elsa Chyrum

ማሕበር ተመሃሮ ኣፍሪቃ ናይ ኦሃዮ ዩኒቨስቲ ንኤርትራዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም በቲ ኣንጻር ወጽዓ ስደተኛታታት እትገብሮ ቃልሲ ፍሉይ ሽልማት ሂቡዋ።

እቲ ቀዳም 12 ሚያዝያ ኣብ ኣተንስ ኦሃዮ ዝተኻየደ ጽንብል ተሸላሚት ነቲ ዝቐረበላ ሽልማት ካብ ኢድ ዳይረክተር ኣፍሪቃን-ስታዲስ ፕሮፈሰር ስቲቭ ሃዋርድ ተቐቢለ።

ከም ኣካል ናይቲ መደብ ከኣ ሰንበት ንተመሃሮን ካልእ ኣብቲ ዓውዲ ዝግደሱን ኣስተምህሮ ሂባ።

እዚ ንኤልሳ ጭሩም ዝተዋህበ: “ጅግና ኣፍሪቃ” (African Heroine) ዝብል ስያመ ዘለዎ ሽልማት ዓመታዊ ብደረጃ ኣፍሪቃ ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣፍሪቃውያንን ካልኦት ግዱሳት እታ ኣህጉርን ዝወሃብ ሽልማት እዩ። ከም መስርሕ ናይቲ ምርጫ ድማ ንሽልማት ዝተረቝሐ ሰብ ዝገበሮ ኣበርክቶ ተገምጊሙን ንኽትዕ ቀሪቡን ብምርጫ እቶም ኣባላት ይሽለም። ኤልሳ ጭሩም እምበኣር ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዛ ንመሰል ስደተኛታት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንኤርትራያን ከኣ ብፍላይ ብዝገበረቶ ግደ’ያ ነዚ ሽልማት በቒዓ።

 

==================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0