“ኣብ ጅቡቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ተታሒዞም ዝጸንሑ 267 ኤርትራውያን ናጻ ክልቐቑ’ዮም”

“ኣብ ጅቡቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ተታሒዞም ዝጸንሑ 267 ኤርትራውያን ናጻ ክልቐቑ’ዮም”

Radio Erena: April 14, 2014

HRCE

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ተቐይዶም ዝጸንሑ 267 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናጻ ክልቐቑ ምዃኖም ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ዳይረክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም፣ እቶም ኤርትራውያን ንኽልቐቑ ኣብ ጄኔቫ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘካየደቶ ናይ ሰለስተ መዓልታት መግቢ ናይ ምሕሳም ተቓውሞ፣ ዘተባብዕ ግብረ መልሲ ክወሃባ ከምዝጸንሐ ዝፍለት ኮይኑ፣ እታ ተጣባቒት ሰብኣዊት መሰላት ትማሊ ኣብ ዝዘርግሕእተኦ ሓበሬታ ድማ፣ እቶም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ብምሉኦም ክፍትሑ ምዃኖም ኣረጋጊጻ።

 

ትሽዓተ ካብቶም እሱራት፣ ካብ ኣንስቶም ደቆምን ተፈልዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ተቐይዶም ከምዝጸንሑ ዝሓበረ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ድሕሪ ምልቓቖም ምስ ስድራቤታቶም ክራኸቡ’ዮም ክብል ጠቒሱ።

እቶም ኣብዚ ቀረባ ክፍትሑ ትጽቢት ተነቢርሎም ዘሎ 267 ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ቤት ምእሰርቲ ነገድ ተፋንዮም ናብቲ ኣብ ዓሊ ኣድሐ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክሰጋገሩ ምዃኖም’ዩ ዝሕበር ዘሎ።

ጉዳዮም ድማ ካብ ሰበ ስልጣን ጅቡቲ ወጺኡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት- UNHCR ከምዝርከቦ እቲ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ሓያሎ ካብቶም፣ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ነገድ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ 2008 ኣብ መንጎ ኤርትራ ጅቡትን ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ዝተማረኹን ኢዶም ዝሃቡን ምዃኖም ይፍለጥ።
==================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0