ኤርትራዊት መንእሰይ ዝተመርዓወ ወዱ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኬንያ ነበረ ኣብ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ

ኤርትራዊት መንእሰይ ዝተመርዓወ ወዱ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኬንያ ነበረ ኣብ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ

Radio Erena: 05 January 2015

LwaOd

ኤርትራዊት መንእሰይ ዝተመርዓወ ወዱ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኬንያ ነበረ፣ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ።

እቲ 39 ዓመት ዝዕድሚኡ ፊደል ኦዲንጋ ዝተባህለ ወዱ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኬንያ ነበረ ራይላ ኦዲንጋ፣ ቀዳም ምሸት ኣብ ደገ ኣምስዩ ናብ ገዝኡ ድሕሪ ምእታዉ፣ ናብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ከምዝሞተ’ዩ ጸብጻብ ፖሊስ ኬንያ ዝሕብር።

ጠንቒ ሞቱ ዛጊት ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ፣ ፖሊስ ኬንያ ነታ ልዋም ጌታቸው ዝተባህለ ኤርትራዊ በዓልቲ ቤቱን ካልኦት ዝቐርብዎ ሰባትን መርመራ ከካይድ ጀሚሩ ምህላዉ’ዩ ይጥቐስ።

 

ፊደል ኦዲንጋ ምስ ቀዳማይቲ በዓልቲ ቤቱ ቬሮኒካ ዋንጅሩ ድሕሪ ምፍትሑ፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶምን ካልኦት ኤርትራውያን ኣብ ዝተዓደምሉ ኣብ 2012 ምስ ልዋም ጌታቸው ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቃል ኪዳን ከምዝኣሰረ ማዕከናት ዜና ኬንያ ይሕብራ።

ብሞት እቲ ሃብታም ነጋዳን ፖለቲከኛን ዝነበረ ፊደል ኦዲንጋ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ሃገራትን ዲፕሎማሰኛታትን ናብ ስድራቤት ቀዳማይ ሚኒስተር ኬንያ ነበረ ራይላ ኦዲንጋ ናይ ሓዘን መልእኽታት ይሰዱ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንታ ከኣ፣ ኣብ መንበሪ ቤት ሞዋቲ ብምብጻሕ ንበዓልቲ ቤቱ ልዋም ጌታቸውን ንወለዱን ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።

ራይላ ኦዲንጋ ካብ 2008 ክሳብ 2013 ቀዳማይ ሚኒስተር ኬንያ ኮይኑ ከምዘገልገለ ይፍለጥ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0