ኤርትራን እስራኤልን ምስጢራዊ ዝርርባት የካይዳ

ኤርትራን እስራኤል ብጉዳይ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስጢራዊ ዝርርባት የካይዳ ከምዘለዋ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኣምባሳደር እስራኤል ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተደጋጋሚ እዋን ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ከምዘካይድ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ ብወገን እስራኤል ድማ ምስቲ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኣምባሳደር ኤርትራ ቀጥታውን ናይ ቴሌፎንን ርክባት ይካየድ ምህላዉ የረድኡ።

እስራኤል ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ንምጥራዝ ውጥናት እኳ እንተለዋ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ብፍቓዶም እንተዘይኮይኑ ብዘይድሌቶም ንዝጥረዙ ኤርትራውያን ክቕበል ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ደጋጊሙ ይገልጽ።
እቲ ኣብ መጋቢት 1993 ኣብ ኣስመራ ዝተኸፍተ ኤምባሲ እስራኤል፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝልዓለ ኣተኩርኡ ኣብ ጉዳይ እቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ልዕሊ 18 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኮይኑ፣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣብ መንጎ ኣስመራን ቴልኣቪቭን ንዘሎ ዘይምርድዳእ ናብ ሓደ መዓልቦ ንምብጻሕ ምስ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ብቐጻሊ ይዘራረብ ምህላዉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ የረጋግጹ።
መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ብምሉኦም ነናብ ዓዶም ንምጥራዝ ብዝጀመሮ መስርሕ፣ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ናብ ጁባ ክጥረዙ እንከለዉ፣ ንዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ይዳሎ ምህላዉ’ዩ ዝሕብር።
እንተኾነ እቲ ብደረጃ ዓለም ቅቡል ኮይኑ ዘሎ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኤርትራውያን፣ ንእስራኤል ከምቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ስደተኛታት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ክትወስድ ኣየፈቐደላን።
ብመሰረት’ቲ ኣብ 28 ሓምለ 1951 ዝተኸተመ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዘተኮረ ውዕል ጄኔቫ፣ ብምጥሓስ፣ እስራኤል ፖለቲካዊ ሕቶ ንዘለዎም ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ካብ ምጥራዝ ክትቑጠብ ኣህጉራውያን ትካላት ይጽውዓ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0