ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርባ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ጸዊዑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ደቡብ ሱዳን በንጃሚም በርናባ ማርያል ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጉአን ዘሎ ገና መዓልቦ ዘይረኸብ ምስህሓብ ንምፍታሕ ናብ ናይ ዘተ ክቐርባ ክቐርባ ጸዊዑ።

 

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝጸውዐ፣ ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበረ ኣቶ መለስ ዜና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ዝኽሪ ምዃኑ ሱዳን ትሪቡን ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ተኣፋፊ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጉዳይ ክልቲኤን ሱዳንን ሶማልያን ተዛማዲ ዕረፍቲ ረኺቡ ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ድጉል ኩነታት ግና ናይቲ ዞባ ዝዓበየ ሻቕሎት ምዃኑ ገሊጹ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ እዋን ሓቢሮም ብሰላም ሕውነታዊ ጉርብትና ዝነብራሉ ግዜ ክርኢ ከምዝደሊ’ውን ጠቒሱ።

ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን እትርከበን ሓደ ሓደ ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምሽምጋል ተበግሶ ከምዝወሰደ ዘረጋገጽ ሚኒስተር ባርናባ፣ እንተኾነ እቲ ናይ ሽምግልና ተበግሶታ ክዕወት ከምዘይክኣለ ኣረዲኡ።

እዘን ጎረባብቲ ሃገራት ሓደ እዋን ንጉዳያን ሰለማዊ ፍታሕ ክረኽባሉ ምዃነን ዘጠራጥር ኣይኮነን ዝበለ እቲ ደቡብ ሱዳናዊ ሚኒስተር፣ ንረብሓ ሰላምን ጸጥታን ዞባና ዝበለጸ ነገር ክንጽበ ኣለና’ውን ክብል መግለጺኡ ደምዲሙ።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0