እስራኤል፣ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓተቱ ኢትዮጵያውያን’ዮም ዝበለቶም ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ክትመልሶም ትሕልን

እስራኤል፣ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ንዝሓተቱ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን’ዮም እናበለት ናብ ኢትዮጵያ ክትሰጎም ትሕልን ምህላዋ ማዕክን ዜና ሃረጽ ሓቢሩ።

 

እስራኤል ንዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ነናብ ዓዶም ክትመስሎም ምዃና ክትሕበር እንከላ፣ ንዜጋታት ኤርትራ ግና ናበየነይቲ ሃገር ትክትሰጎም ምዃና ዛጊት ኣየፈልጠትን።

ነቶም ብፍቓዶም ናብ ኤርትራ ክምለሱ ምዃኖም ዝኸተሙ ንነፍሲ ወከፎም 1500 ዶላር እናሃበት ናብ ኤርትራ ክትመልሶም’ያ።

ድሮ’ውን ብመንገዲ’ዚ መስርሕ እዚ 10ታት ስደተኛታት ናብ ኤርትራ መሊሳቶም ኣላ።

ዜጋታት ኢትዮጵያ’ውን ነቲ ናይ ኤርትራ ኩነታት እናመዝመዙ፣ ኣብ እስራኤል ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ከምዝሕእቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እስራኤል ድማ ነዚ ብምምዝማዝ፣ ንሓያሎ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ክትመልሶም ትሕልን ዘላ።

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ’ውን ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ከምዝሓቱ ዝፍለጥ’ዩ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0