ኤርትራን ናይ እትርከበን ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኬንያ ኣኼባ የካይዱ

ኤርትራን ናይ እትርከበን ኣዘዝቲ ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኬንያ ኣኼባ የካይዱ

Radio Erena: 26 August, 2014

East Police

ኣዘዝቲ ፖሊስ ኤርትራ ናይ እትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኬንያ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ኣኼባ የካይዱ ከምዘለዉ ሻንጋይ ደይሊ ገሊጹ።

ኣዛዚ ፖሊስ ኬንያ፣ ዳቪድ ኪመዮ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀምሩ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝቕጽል ኣኼባ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ክኢላታት መርመራን፣ ነቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እናገነነ ዝመጽእ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ንብረትን ንምግታእ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሽበራን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ንብረትን ብፍላይ ድማ ኣጽዋርን ዕጽፋርስን ኣብ ዝከታተላሉ እዋን፣ ሓበሬታ ብምልውዋጥ፣ ነቲ ምንጪ ናይቲ ገበን ንምርካብ ሓጋዚ ከምዝኸውን’ውን እቲ ኣዛዚ ሓቢሩ።

 

ኣብቲ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያ፣ ታንዛንያ፣ ኮሞሮስን ሲሸልስን ዝሳተፍኦ ዘለዋ ዋዕላ ኣዘዝቲ ፖሊስ፣ ክኢላታት መረመራ ገበን ኢንተርፖል፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ቱርኪ፣፣፣ ኣለጀርያን ናይ ጀርያን’ውን ተዓዲሞም ኣለዉ።

ፖሊስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከም ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ምልውዋጥ ሓበሬታን ካልእን ተወሃሂዱ ክሰርሕ እንተኽኢሉ፣ ኣብዚ ዞባ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገነነ ዝመጽእ ዘሎ ከም ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ዝኣመሰለ ገበናት ብቀሊሉ ኣብ ቁጽጽር ክውዕል ከምዝኽእል ኣዛዚ ፖሊስ ኬንያ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0