ጭፍራ መራኽብ ኢራን ኣብ ወደብ ጅቡቲ ተጸጊዐን

ጭፍራ መራኽብ ኢራን ኣብ ወደብ ጅቡቲ ተጸጊዐን

Radio Erena: 26 August, 2014

Iran fleet

ጭፍራ መራኽብ ኢራን፣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝተጸግዓ ፕረስ ቲቪ ገሊጹ።

እተን ሄሊኮፕተራትን ሚሳይላትን እትስከም ዓባይ ናይ ኵናት መርከብ እትርከበን ጭፍራ መራኽብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ወትሃደራዊ ኮለላ ከካይዳ ድሕሪ ምጽናሕ’የን ብሰንበት 24 ነሓሰ፣ ናብ ወደብ ጅቡቲ ተጸጊዐን።

 

ኢራን፣ ንግዳዊ መራኽባ ብፍላይ ድማ ነተን ነዳዲ ዘመላልሳ ንምዕጃብን ካብ ጭውያ ባሕሪ ንምክልኻልን፣ ካብ 2008 ንደሓር ጭፍራ መራኽብ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ኣዋፊራ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሳሕቲ’ውን ኣብ ወደባት ሱዳን ክጽግዓ ጸኒሐን’የን።

ሎሚ ድማ ጭፍራ መራኽብ ኵናት ኢራን፣ ኣብታ ቀዋሚ ወትህደራዊ መዓስከራት ኣመሪካን ፈረንሳን ዘለዋ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገረ-ጅቡቲ ተጸጊዐን ይርከባ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝርከባ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ የመንን ግብጽን ሓሽካር ዝምድና ዘለዋ ኢራን፣ ኣብ ኤርትራ ወይ ድማ ሱዳን ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምውናን ከምእትሕልን’ዩ ዝግለጽ።

ኤርትራ በቲ ሓደ ሸነኽ ምስ እስራኤል በቲ ካልእ ድማ ምስ ኢራን ዝምድናታት ስለዘለዋ፣ ብኢራን እታ ዝያዳ ተመራጺት ሃገር ሱዳን ምዃና ዝጠቕሱ ተንተንቲ ፖለቲካ’ውን ኣለዉ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0