ኤርትራን ቀጠርን ኣብ መጓዓዝያ ነፈርቲ ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይደን

ኤርትራን ቀጠርን ኣብ መጓዓዝያ ነፈርቲ ዘተኮረ ዝርርብ ኣካይደን

Radio Erena: 28 January 2015

qater

ኤርትራን ቀጠርን ኣብ መዳይ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየዳ ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ነቲ ዝርርብ ዘካየዱ ብወገን ቀጠር ሚኒስተር መጓዓዝያ ጃስም ሰይፍ ኣሕመድ ኣል ሱልጣኒ ክኸውን እንከሎ ብወገን ኤርትራ ድማ ሓላፊ በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኣቶ ጳውሎስ ካሕሳይ’ዩ።

 

እቲ ብ13 ጥሪ ኣብ ከተማ ዶሓ ዝተኻየደ ዝርርብ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ነፈርቲ መጓዓዝያን ብሕጂ ክትግበር ዝኽእል መደባትን ዘተኮረ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ጋልፍ ኒውስ ካብ፣ ሰበ ስልጣን መጓዓዝያ ቀጠርን ኤርትራን ኣብ ዶሓ ብምርኻብ ብዛዕባ መጓዓዝያ ኣየር ከምዝተዘራረቡ እኳ እንተረጋገጸ፣ ዝርዝር ናይቲ ዘካየድዎ ዝርርብ ግና ኣይሓበረን።

መንገዲ ኣየር ቀጠር ኣብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ካብን ናብን ኣስመራ-ዶሓ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከምዝጀመረ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ካብን ናብን ኣስመራ-ዶሓ ቀጥታዊ በረራታት ዘካይድ ዘሎ መንገዲ ኣየር ቀጠር፣ ምስቲ ካብን ናብን ጅቡቲ-ዶሓ ዘለዎ ካልእ በረራታት ንምትእስሳሩ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ ኣቐዱሙ ብሬድዮ ኤረና ተሓቢሩ’ዩ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0