ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን፣ ዝምድንአ ንምሕያል ዘኽእለን ተወሳኺ ዝርርብ ኣካይደን

Radio Erena: 28 January 2021

ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ዝተመርሐ፣ ክልትኣዊ ዘተ ከምዝተኻየደ ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ዓረብ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ መንጎ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ስዑዳዊ መዘንኡ ፋይሰል ቢን ፋርሓንን፣ ብ26 ጥሪ ኣብ ሪያድ ዝተኻየደ ዘተ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣቐዲመን ንዝበጽሐኦ ስምምዓት ንምግምጋምን፣ ዝምድንአን ብዝያዳ ንምሕያልን ዝዓለመ ምንባሩ እቲ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።

ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም ወገገናት፣ ኣብ ህልዉ ምዕባለታት እቲ ዞባ ብዝምልከት’ውን ተመያይጦም።

ዝርዝር ናይቲ ዝዘተይሉ ነጥብታት ይኹን ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዓት ብጽኑር ኣይተገልጸን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፣ ብ15 ታሕሳስ 2020፣ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ከምዝተመያየጠ ኣይርሳዕን።

ንኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ብዝያዳ ካብ ዘቀራርበን ነጥብታት፣ ጉዳይ የመን፣ ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ፣፣

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0