ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል፣ ንደገፍቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ገንዘብ ንኽሕውሉ ዝሃቦ ምኽሪ ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተነቒፉ

Radio Erena: December 24, 2013

 

ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣብት ሃገር ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ገንዘብ ዝልእኽሉ ምኽሪ ከምዝለገሰሰ ጋዜጣ ዮርሳሌም ፖስት ሓቢራ።

እቲ ኤምባሲ፣ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ናብ ኤርትራ ገንዘብ ክልእኩ እንተኾይኖም ብመንገዲ ኣብ ጀረምን ዝርከብ ባንክ ከሰጋግርዎ ከምዝኽእሉ ምኽሪ ምልጋሱ፣ ንሕጊ እስራኤል ዝጻረር’ዩ ክትብል’ውን እታ ጋዜጣ ጠቒሳ።

 

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ፣ ነዚ ምኽሪ’ዚ ዝለገሰ ኣብቲ ብቐዳም ሓያሎ ኤርትራውያን ዝቖሰልሉን ዝተኣስርሉን ንደገፍቲ መንግስቲ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ።

ኣምባሳደር ተስፋማርያም፣ ኣብቲ ኣኼባ፣ ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ኣስመራ ክህነጽ’ዩ ኣብ ዝብሃል ዘሎ ኣባይቲ ንምዕዳግ ዘኽእሎም መስርሕን ገንዘብ ዝልእክሉ ኣገባብን መብርሂ ከምዝሃበ ይግለጽ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ’ቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ኤርትራውያን ምስቶም ኣብ ጉዳይ ምዕዳግ ኣባይቲ ዘተኮረ ብኣምባሳደር ተኽስተ ተስፋማርያም ኣኼባ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝሳተፉ ዝነበሩ ደገፍቲ ህግደፍ ብምግጫዎም ብውሕዱ 12 ሰባት ከምዝቖሰሉን፣ ኣስታት 50 ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን’ዩ ብሬድዮ ኤረና ተሓቢሩ’ዩ።

እቶም ኣብቲ ዕግርግር ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ 50 ኤርትራውያን ብኡ ንብኡ ክልቐቑ እንከለዉ፣ ጎነጽ ብምጉህሃርን ሰብ ብምህራምን ዝተኸሰሱ ክልተ ኤርትራውያን ግና ኣብ ቀይዲ ይርከቡ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0