ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 5000 ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ክኣቱ ፈቒዱ

Radio Erena: December 25, 2013

 

ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝቖጻጸርዋ ዘለዉ ባኒቱ፣ ኣብቲ ግጭት ናይ ተቐትሉ 34 ሰባት ዝተቐርብርሉ ጋህሲ ከምዝተረኽበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ ጁባ’ውን ክልተ ተመሳሳሊ ጋህስታት ክህሉ ከምዝኽእል እቲ ውድብ ገሊጹ።

ኩነታት ደቡብ ሱዳን ናብቲ ዝኸፍአ ዓሌታዊ ግጭት ከይዓርግ ኣስጋኢ’ዩ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን፣ኣመሪካ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝዋፈሩ 150 ሰራዊት ባሕርያ ናብ ጅቡቲ ልኢኻ።

 

ኣመሪካ ኣቐዲማ’ውን ብኣመሪካውያን ንዝውነን ትካላትን ኤምባሲ ንምሕላውን 45 ፍሉያት ኮማንዶ ናብ ደቡብ ሱዳን እኳ እንተዋፈረት፣ ኩነታት ደቡብ ሱዳን ናብ ዝበኣሰ ዓሌታዊ ግጭት ክዓርግ ይክእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት’ያ ውሕስነት ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝርከቡ ዜጋታታ ንምርግጋጽ ተወሰኽቲ 150 ኣባላት ሰራዊት ባሕርያ ናብ ጅቡቲ ልኢኻ ዘላ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ንዝኾነ ህጹጽ ተልእኾ ተባሂለን፣ 10 ናይ ኵናትን መጓዓዝያን ነፈርትን ሄሊኮፕተራትን ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ኣብ ዓባይ መርከብ ተዳልየን ከምዘለዋ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ደቡብ ሱዳን ናብ ዓሌታዊ ግጭት ከትሽመም ከቢድ ስግኣት ሓዲርሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ቴድሪኦስ ኣድሓኖም ዝምራሕ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢጋድ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ካልኦትን ክዘራረብ እንከሎ፣ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ህጹጽ ዝርርብ ኣካይዱ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ርእስቲ’ቶም ድሮ ተዋፊሮም ዝርከቡ 4500 ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ተወሰኽቲ 5 ሽሕ ዓቓብ ሰላም ንምልኣኽ ይድፍኣሉ ከምዘሎ’ውን ይግለጽ።

ሰራዊት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን’ውን ነተን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ኑዌር ወዲቐን ዝርከብ ከባቢታት ንምምንዛዕ፣ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፣ ንከተማ ቦር ከምዝተቖጻጸራ ማዕከናት ዜና ይሕብራ ኣለዋ።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ወጻእተኛታት ድማ ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ተዓቝቦም ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እቶም ኣብ ዩኒቲ ስቴት፣ ኣብ ማላካን ኣብ ቦርን ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ዝርከቡ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ምንቕስቓሳቶም ልዑል ጥንቓቐታት ክገብሩ ነዘኻኽር።
========================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0