ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ፣  ንደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ካምደን ኣዳራሽ ከካይዶ ዝወጠነ ሰሚናር ተሰሪዙ

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ፣ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ካምደን ኣዳራሽ ከካይዶ ዝወጠነ ሰሚናር ተሰሪዙ

Radio Erena: 04 March 2018

Embassy London

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሎሚ ሰንበት 4 መጋቢት፣ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ከተማ ለንደን፣ ኣብ ካምደን ኣዳራሽ ከካይዶ ዝወጠነ ሰሚናር ተሰሪዙ።

እቲ ብኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፣ ኣብ ካምደን ኣዳራሽ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ኣኼባ ዝተሰረዘሉ ምኽንያት፣ ዴምክራስዊ ለውጢ ዝጠልቡ ኤርትራውያን ድሕሪ ዘቕረብዎ ናይ ተቓውሞ ጥርዓን ብምምሕዳር እታ ከተማ ከምዝተሰረዘ’ዩ ተሓቢሩ።

ኤምባሲ ኤርትራ፣ እቲ ኣኼባ ናብ ካልእ ከምዝተሰጋገረ እንተዘይኮይኑ፣ ዝተሰረዘሉ ምኽንያት ኣይሓበረን።

እንተኾነ እቲ ኤምባሲ ብተብተብ ናይ ሆቴል ኣዳራሽ ብምክራይ ነቲ ሰሚናር ከካይዶ ከምዝኸኣለ ምንጭታት ካብ ለንደን የመልክቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ሆላንድ ክካየድ ዝተወጠነ ፌስቲቫል መንእሰያት ህግደፍ፣ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ድሕሪ ምስራዙ፣ ብሕቡእ ኣብ ካልእ ኣዳርሽ ከምዝተኻየደ ኣይርሳዕን።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከባ ኤምባሲታት መንግስቲ ኤርትራ፣ ከም ምእካብ 2% ግብሪ ዝኣመሰለ ዘይሕጋዊ ተግባራት ይፍጽማ ኣለዋ ዝብል ተደጋጋሚ ክስን ጥርዓንን ይቐርበለን ብምህላዉ፣ ኣብ ምክትታልን ጸቕጥን ከምዝርከባ’ዩ ዝንገር።

======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0