ንምዕጻው ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል እስላምያ ዝተቓወሙን መሰል ኣመንቲ ምስልምና ክሕሎ ዝሓተቱን፣ ሓጂ ሙሳ ዓሪፎም

ንምዕጻው ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣል እስላምያ ዝተቓወሙን መሰል ኣመንቲ ምስልምና ክሕሎ ዝሓተቱን፣ ሓጂ ሙሳ ዓሪፎም

Radio Erena: 04 March 2018

Dia Al Islamia

ንምዕጻው ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ ብግሁድ ዝተቓወሙን መሰል ኣመንቲ ምስልምና ኣብታ ቤት ትምህርቲ ክሕሎ ዝጸውዑን ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር ኣብ መበል 93 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።

እዞም ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኣቦ፣ ብሕማም ኣብ ዝተሰነፍሉ ናብ ሆስፒታል ኦሮታ ተወሲዶም ክእለዩ ድሕሪ ምቕና’ዮም ብቀዳም 03 መጋቢት ዓሪፎም።

ስነ ስርዓት ቀብሮም፣ መብዛሕቶም ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ኣሽሓት ህዝቢ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣብ ኣስመራ፣ ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ኣብ ዝርከብ መቓብር ሸኽ ኣልኣሚን ተፈጺሙ።

ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት  ተቓውሞ ከይጎሃሀር ዝሰግአ መንግስቲ ሓይልታት ጸጥታ ኣዋፊሩ ምንባሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ኣቦ መንበር ኮሚተ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላሚያ ዝነበሩ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር፣ መንግስቲ ነተን ብትካላት ሃይማኖት ዝውነና ኣብያተ ትምህርቲ ንምዕጻው ኣብ ዝወሰነሉ፣ ብትብዓትን ብግሁድን ዝተቓወሙ ኣቦ’ዮም።

መንግስቲ ነዞም ኣቦ ብምእሳር፣ ነታ ቤት ትምህርቲ ንምዕጻው ኣብ ዝወሰነሉ፣ ተማሃሮ እታ ቤት ትምህርቲ፣ ብ31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ታሪኽ እዚ ናይ 26 ዓመታት ኤርትራ ብዓይነቱ ናይ መጀመርያ ዝኾነ ተባዕ ተቓውሞ ከምዘካየዱ ኣይርሳዕን።

ድሕሪ’ዚ ተቓውሞ፣ ሓያሎ መማህራን፣ ተማህሮ፣ ወለዲን መራሕቲ ሃይማኖት ኣመንቲ ምስልምናን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ እኳ እንተተኣስሩ፣ እታ ቤት ትምህርቲ ግና ካብ ምዕጻው ድሒና ኣላ።

ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር፣ ህዝቢ ብፍርሂ ተዋሒጥሉ ኣብ ዘሎ ጸልማት ግዜ፣ ብትብዓት ንምዕጻው እታ ቤት ትምህርት ዝተቓወሙን ኣብ እምነቶም ደው ዝበሉን ኣቦ’ዮም ክብሉ ኣብ ወጺኢ ዝረክቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣድናቖቶም ይግገልጹ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0