ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ፣ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንሕማም ኮረና ቫይረስ 500 ሪያል ክኸፍል የገድድ

Radio Erena: 31 March 2020

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ሕማም ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ብዝብል ነፍሲ ወከፎም 500 ሪያል (ኣስታት 150 ዶላር ኣመሪካ) ክኸፍሉ ከገድድ ምጅማሩ ምንጭታት ኤረና ካብ ሪያድ ሓቢሮም።

እቲ ካብ ሰኑይ 30 መጋቢት ኣትሒዙ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣታኣታትይዎ ዘሎ ግዱድ ክፍሊት፣ ነቶም ድሮ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብዝተኣታተወቶ ሓድሽ ሕግታት ዕዮ መነባብርኦም ተሃስዮ ዘሎ ዜጋታት ንተወሳኺ ጸገማት ዘቃልዕ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ስግኣት ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣበርክቶ ዝሓትት እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ግና ነቶም ኤርትራውያን ንዘለዎ ናይ ኢቓማ ማሕንቆታት እናመዝመዘ ብምስራዝ ፓስፖርት እናፈራረሐን ልዕሊ ዓቕሞም ክኸፍሉ የገድድ ብምህላዉ ንብዙሓት ኣቖጢዑ ምህላዉ እቲ ዝተላእከልና ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ስግኣት ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ብወለንትኦም ሓገዛት ከበርክቱ እንከለዉ፣ መንግስቲ ብፓስፖርትን ካልእን ከረኻኽበሎም ንዝኽእል ኤርትራውያን ግና ዝሰልዓሎም መጠን ክፍሊት ብግዴታ ከኽፍል ምዃኑ እዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ስጉምቲ ኣብነት ኮይኑ ኣሎ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    ዝሕዝን ዩ መንግስቲ ህግደፍ ኢልኩም ግን ክትጽውዕዎ ይግባእ መንግስቲ ኤረትራ አይትበኩ

  • comment-avatar
    Abnoh 4 years ago

    ERENA TBEHALU MEN EKUM? ANXER SREAT ZEY KOMNKUMSI ANXAR HZBN HAGERN ERITREA EKUM HAKEY?