ኣልሸባብ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዘካየዶ መጥቃቲ ብውሕዱ ክልተ ተቐቲሎም

Radio Erena: 02 April 2020

ኣልሸባብ፣ ኣብ ሶማል ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዘካየዶ መጥቃቲ ብውሕዱ ክልተ ተቐቲሎም።

ኣብቲ ብ31 መጋቢት፣ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል፣ ዞባ ጌዶ፣ ጋርባሃረይ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝጸዓነ ቃፍላይ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓያሎ ከምዝቆሰሉ’ውን ንሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ማዕከናት’ታ ሃገር ዜና ሓቢረን።

ኣል ሸባብ ኣቐዲሙ’ውን፣ ኣብ ሰሜናዊ ሶማል ኣብ እትርከብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣብ ዘካየዶ መጥቓዕቲ ኣማሓዳሪ ሓደ ዞባን ኣዛዚ ፖሊስ ነበርን ተቐቲሎም።

እቲ ሽበራዊ ጉጅለ፣ ብ29 መጋቢት ኣብ ዞባ ኑጋል ብመኪና ኣብ ልዕሊ ዝጓዕዙ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ ድሕሪ ዘዋደዶ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፣ ኣማሓዳሪ ዓብዲሳላ ሓሰን ሕርሲን ኣዛዚ ፖሊስ ነበር፣ ፋራሕ ጎላንጎሊን ብኸቢድ ቆሲሎም ኣብ ከተማ ጋሮወ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቝቦም’ዮም ጸኒሖም።

እቲ ኣማሓዳሪ ነዊሕ ከይጸንሐ ከምዝሞተ ክግለጽ እንከሎ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ነበር ግና ድሒሩ ከምዝሰዓበ’ዩ ተሓቢሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0