ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስቶኮልም ዝርከበሉ ጎደና ብስም ዳዊት ኢሳቕ ክጽዋዕ ውሳነ ይጽበ ኣሎ

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስቶኮልም ዝርከበሉ ጎደና ብስም ዳዊት ኢሳቕ ክጽዋዕ ውሳነ ይጽበ ኣሎ

Radio Erena: 09 June 2015

Dawit

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ጎደና፣ ብስም ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ክጽዋዕ ባይቶ ከተማ ስቶኮልም ን15 ሰነ ውሳኔ ክህበሉ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ሽወደን፣ እቲ ሊዲንጎ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ ጎደና ብስም ዳዊት ኢሳቕ ክጽዋዕ ብተደጋጋሚ እዋን ክሓቱ ጸኒሖም’ዮም።

ባይቶ ከተማ ስቶኮልም፣ ስም እቲ ጎደና ናብ ‘ጎደና ዳዊት ኢሳቕ’ ክቕየር እንተወሲኑ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ዝልእኾ ይኹን ዝቕበሎ ደብዳቤታትን ካልእ መልእኽትን ስም እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ዳዊት ኢሳቕ ደጋጊሙ ክጽሕፍን ከንብብን ክግደድ’ዩ። 

 

እቲ ውሳኔ እንተጸዲቑ፣ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ስም ዳዊት ኢሳቕ ኣድራሽኡ ካብ ዝኸውን፣ እቲ ነዊሕ ኦኣመታት ክግልገለሉ ዝጸንሐ ቤት ጽሕፈት ክቕይር ከምዝኽእል’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ርእይቶታቶም ይህብሉ።

ናይ ኤርትራን ሽወደንን ድርብ ዜግነትዘለዎ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም 11 ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ መስከረንም 2001 ተኣሲሮም ዝኾነ ደሃይ ካብ ዘህልዎም ኣስታት 14 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።

=======================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0