ኣፈኛ መንግስቲ ሶማል፣ ብዝተኻየደሉ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቆሲሉ

Radio Erena: 16 January 2022

ኣፈኛ መንግስቲ ሶማል፣ መሓመድ ኢብራሂም ሙዓሊሙ፣ ሎሚ ሰንበት 16 ጥሪ ብዝተኻየደሉ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ከምዝቖጸለ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኣፍሊጠን።

ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ኣፍደገ መንበሪ ገዛ እቲ ኣፈኛ፣ ብዙሓት ዝወደቁ ሰባት ከምዝርኣዩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሓቢሮም።

ተደጋጋሚ እዋን ፈተነ ቅትለት ከምዝተኻየደሉ፣ መሓመድ ኢብራሂም ሙዓሊሙ፣ ብዓጀብቱ ተሰንዩ፣ ካብ መንበሪ ገዝኡ፣ ብመኪና እናወጸ እንከሎ፣ ተፈንጃሪ ዝዓጠቐ ሰብ እናጎየየ ምስ ተጸግዖ’ዩ እቲ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ።

ንሱ፣ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ፣ ጽዑቕ ሕክምናዊ ክንክን ይካየደሉ ኣሎ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኣብቲ ኣብ 25 ለካቲት ዝካየድ ምርጫ ኣድሂብሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣልሸባብ ኣብታ ካብ መላእ ሶማል ዝሓሸ ርግኣት ጸኒሓዋ እትብሃል ሶማል፣ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0