ኣገረምቲ ፍጻሜታት ዋንጫ ዓለም

ኣገረምቲ ፍጻሜታት ዋንጫ ዓለም

Radio Erena: 17 June, 2014

world cup

እዋኑ እዋን ዋንጫ ዓለም እዩ። ዓለም ብዓለማ ድማ፡ ኣተኩሮኣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ብራዚል ገይራ ኣላ። ሃገርና ኤርትራ’ውን ዋላ’ኳ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ ኣይትብቓዕ፡ ምስ ዋንጫ ዓለም ዘተኣሳስር ሒደት ታሪኽ ኣለዋ። ሓደ ካብኡ ድማ ጉዳይ ዳንነት እዩ። ነፍስሄር ስዩም ታረቀ ኣብ ዋንጫ ዓለም 1970 ንግጥም ሽወደንን እስራኤልን ዝዳነየ ክኸውን ከሎ፡ ንግጥም ፍጻመ ዋንጫ ኣፍሪቃ 1970 ሓዊስካ ሓያለ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝመርሐ ኣቶ ተስፋይ ገብረየሱስ ከኣ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም 19780 ኣብ መንጎ ፔሩን ስኮትላንድን ንዝተኻየደ ግጥም ከም መስመር ዳኛ ኣልይዎ። ካልእ ዋንጫ ዓለም ሂወት ኤርትራውያን ሓቲቱ እዩ።

ኣብ 1990 ንግጥም ዋንጫ ዓለም ክከታተሉ ኣምስዮም ናብ ገዝኦም ዘምርሑ ዝነበሩ፡ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ጋንታ ኣዱሊስ ዝነበረ ክብሮም ሃይለ ዝርከቦም ልዕሊ 30 መንእሰያት ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብወትሃደራት ደርግ ተቐቲሎም እዮም። ኣብ 2010 ዓመት ምህረት’ውን ኣብ ከተማ ካምፓላ ኡጋንዳ ንግጥም ፍጻመ ስጳኛን ሆላንድን ዝዕዘቡ ዝነበሩ 7 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 74 ሰባት ግብረሽበራዊ ዕጡቕ ሓይሊ ኣልሸባብ ኣብ ክልተ ቦታታት ብዝጻወዶ ነታጒ ሂወቶም ስኢኖም እዮም።

ኣብ’ቲ ዓመት’ቲ ማለት 2010፡ እታ ኩለን ሃገራት ንዓኣኣ ንምውናን ዝረባረባላ ዋንጫ ዓለም፡ ውድድር ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ኣብ ተካይደሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ናይ ሒደት ሰዓታት ጻንሖት ገይራ ነይራ እያ።

*** ኣብ ዋንጫ ዓለም ብራዚል ምስ ተለቪዥን ፈረንሳ ከም ኮመንታተር ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ፡ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ኣርሰን ቨንገር፡ ብልቓሕ ምስ ግሪኻዊት ክለብ ኦሎምፒያኮስ ንዝጸንሐን፡ ምስ ኮስታሪኮ ኮይኑ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኡራጋይ ጽብቕቲ ሸቶ ንዘመዝገበን ጆል ካምበል፡ ካብ’ዚ ዓመት’ዚ ጀሚሩ ምስ ኣርሰናል ኮይኑ ከምዝጻወት ሓቢሩ። ኣርሰናል ንካምበል ኣብ 2011 ዝዓደገቶ ክትከውን ከላ፡ ዝያዳ ናይ ምስላፍ ዕድል ክረክብ ግን፡ ብልቓሕ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ናብ ክለባት ሎሬንት፡ ሪያል ቤትስን ኦሎምፒያኮስን ሰዲዳቶ ጸኒሓ። እዚ ወዲ 21 ዓመት ኣብ ግጥም ሻምፕዮንስ ሊግ ኤውሮጳ’ውን ኣንጻር ማንቸስተር ዩናይትድ ጎል ከምዘመዝገበ ይዝከር።

*** ኣከፋፋሊ ቦስንያ ሃሪስ ሜዱንጃኒን ኣርጀንቲና ብጎል ናይ መሲ ተሓጊዛ ንሃገሩ ምስ ሰዓረታ፡ “ኣንጻር መሲ ክትጻወት ከቢድ እዩ፡ ንሜሲ፡ ሜሲ ባዕሉ ጥራይ እዩ ደው ክብሎ ዝኽእል” ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ተጻዋታይ ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ። ንሱ ብተወሳኺ፡ “ሜሲ ክሳብ ሕጂ ዘይተዓወተላ ዋንጫ፡ ዋንጫ ዓለም እያ። ነዛ ዋንጫ ከኣ ሎሚ ዓመት ክዕወተላ ተስፋ ይገብር” ኢሉ።

*** ኣጥቓዓይ ብራዚል ሃልክ፡ ኣብ ጸጋማይ እግሩ ብዘጋጠሞ ናይ ጭዋዳ ቓንዛ ሎሚ ምሸት ምስ ሜክሲኮ ኣብ ዝግበር ጸወታ ምስላፉ ኣጠራጣሪ እዩ ተባሂሉ። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ሓለቓ ጋንታ ካሜሩን ሳሙኤል ኤቶ ኣብ ብርኩ ብዘወረዶ ማህሰይቲ፡ ጽባሕ ሮቡዕ ሃገሩ ምስ ክሮሽያ ኣብ እተካይዶ ግጥም ከምዘይስለፍ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ሓቢሩ።

*** ብቅድሚ ትማሊ ሰንበት፡ ሃገራዊት ፈረንሳን ሆንዱራስን ጸወታ ቅድሚ ምጅማረን ስርዓተ ድምጺ ናይ’ቲ ስታድዩም ብምብልሻዉ ሃገራዊ መዝሙር ከይዘመራ ክጻወታ ተገዲደን። ዝኾነ ይኹን ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ኣህጉራዊ ግጥም ብሃገራዊ መዝሙር ተጋጠምቲ ጋንታታት ክኽፈት ከምዘለዎ ዝፍለጥ እዩ።

*** እንግሊዝን ኢጣልያን ዝተጻወታሉ ኣብ ከተማ ማኑዋስ ዝርከብ ሜዳ ኣሬና ዲ ኣማዞንያ፡ ሳዕሩ ዘመናዊ ድዂዒ ስለዝበዝሖ፡ እቲ ሜዳ ብዙሕ ክፋላቱ ተሃስዩ ሓመዱ ክሳብ ዝረአ ኮይኑ እዩ ቀንዩ። እዋን ውድድር ስለዝኣተወ ድማ፡ ዳግማይ ንምሕዳሱ ኣይተኻእለን። ናይ’ቲ ሜዳ ኣካየደቲ ዝገበርዎ ፍታሕ እንተነይሩ ግን፡ ነቲ ዝተሃስየ ክፋል ሜዳ ቀጠልያ ሕብሪ ምልካይ እዩ። ይኹን እምበር፡ ፊፋ ነዚ ተግባር’ዚ ኣይወዓልክዎን ኢሉ ነጺግዎ ኣሎ። ጋዜጠኛታት ብወገኖም ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ስታድዩም ነቲ ሜዳ ሕብሪ እናስተይዎ ከለዉ ዝተላዕለ ስእሊ ዘርጊሖም።

*** ብራዚል ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ ሃሩር ወቕጢ ስለዘላ፡ ኩነታት ኣየር ልዕሊ 32 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ኣብ ዝበጽሓለን ከተማታት ዝጻወታ ጋንታታት፡ ንመስተዪ ማይ ዝኸውን ተወሳኺ ዕረፍቲ ክወሃበን ምዃኑ ፊፋ ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ኣብ መበል 30 ደቒቕን ኣብ መበል 75 ደቒቕን ናይ’ቲ ጸወታ ዝወሃብ እዩ። እዚ ዕረፍቲ ን 3 ደቓይቕ ዝጸንሕ ኮይኑ፡ መተካእትኡ ድማ፡ ቀዳማይን ካልኣይን እብረ ክዛዘም ከሎ ነፍሲ ወከፍ ተወሳኺ 3 ደቓይቕ ክድመረሉ እዩ። እዚ መተካእታ ዝወሃብ ግዜ፡ ነቲ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ናይ ዝጠፍአ ሰዓት መተካእታ ተወሳኺ ግዜ ኣየጠቓልልን እዩ።

*** ብዙሓት ኣፍቀርቲ ስፖርት፡ ዋላ’ኳ ተለቪዥን ኣብ መንበሪ ገዝኦም ትሃልዎም፡ ንግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣብ ጎደናታት ኣብ ዝዝርጋሕ ዓበይቲ ስክሪናት፡ ሲነማታትን ባራትን ኮይኖም እዮም ክዕዘብዎ ዝመርጹ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ጸወታ ከኣ ብምቾት ኣብ ሶፋ (ቡፌ ሳሎን) ክርእይዎ ይደልዩ። ኣብ መንጎ ገዛን ኣብ መንጎ ደገን ከኣ ይቕርቐሩ። ዩኒዮን በርሊን ዝተባህለት ጀርመናዊት ጋንታ ግን ነዚ ጸገም መፍትሒ ረኺባትሉ ኣላ። እዛ ጋንታ 750 ዓበይቲ ሶፋታት ኣምጺኣ ኣብ ማእከል ሜዳ ብምቕማጥ፡ ደገፍታ ኣብ’ቲ ሜዳ ኮይኖም ዋንጫ ዓለም ንኽዕዘብዎ ዓዲማ ኣላ።

***ዋንጫ ዓለም ብራዚል 2014 ኣብ ዝተኸፍተሉ እዋን፡ 3 ህጻናት ምልክት ሰላም ዝኾና 3 ጸዓዱ ረጋቢት ሒዞም፡ ጸወታ ቅድሚ ምጅማሩ ናብ ሰማይ ከምዘብረረወን ተዓዚብና ኣለና። እዘን ረጋቢት ግን፡ ካብ ኢድ ደቂ ሰባት ነጻ’ኳ እንተወጻ ዕድል ኣይገበራን። ክልተ ካብ’ተን 3 ረጋቢት ምስ መንደቕ ናይ’ቲ ስታድዩም ተጋጭየን ክሞታ ከለዋ፡ እታ ሓንቲ ግን ብሰላም ጋዜጠኛታት ናብ ዝነበርዎ ክፋል እቲ ስታድዩም ዓሊባ።

*** ተጻወትቲ ክሮሽያ ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም ንዝኾነ ይኹን ጋዜጠኛ ሓበሬታ ከምዘይህቡ ገሊጾም። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ዕርቃኖም ወጽዮም ነብሶም እናተሓጸቡ ከለው ጋዜጠኛታት ብሕቡእ ስኢሎም ኣብ መራሐቢ ብዙሓን ስለዝዘርግሕዎ እዩ። ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኒኮ ኮቫች ንስጉምቲ ናይቶም ተጻወትቲ ደጊፍዎ ኣሎ።

***ንግጥም ብራዚልን ክሮሽያን ዝዳነየ ጃፓናዊ ዳኛ ኒሺሙራ፡ ንብራዚል ዘይትግባእ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብምሃቡን ንነይማር ከኣ ኣብ ክንዲ ቀይሕ ካርድ ቢጫ ካርድ ብምሃቡ ሓያል ነቐፌታታት ክወርዶ ከምዝቐነየ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ዳኛ እዚ፡ ኣብ 2010 ኣብ ኤማራት ኣብ መንጎ ኢጣልያዊት ክለብ ኢንተር-ሚላንን ናይ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክለብ ቲፒ ማዜምበ ዝተኻየደ ግጥም ፍጻመ ዋንጫ ክለባት ዓለም ዳንዩ ነይሩ። ኣብ’ቲ ግጥም ንኢንተር 21 ቅላዕ መቕጻዕቲ ንቲፒ ማዜምበ ከኣ 9 ቅላዕ መቕጻዕቲ ዝሃበ ኒሺሙራ፡ ደገፍቲ ክለብ ቲፒ ማዜምበ ዓሚጹና በሃልቲ እዮም። በዚ ተቖጢዖም ድማ፡ ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ብቻይናውያን ንዝውነን ዱኳናት ተሳሂሎሞ። ተረካቢ ይዓድዮ ከምዝበሃል ኒሺሙራ ጃፓናዊ ከሎ፡ ብሽም ጠፍናቓት ቻይናውያን ዋጋ ከፊሎሙሉ።

*** ካብ 23 ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ግሪኽ፡ እቶም 19 ኣስማቶም ብፊደል ኤስ ይውድእ፡ ተጻወትቲ ሄርዞጎቪና ከኣ ብተመሳሳሊ ብጀካ ናይ 4 ናይ ኩሎም ስም ብፊደል ሲ (ክድመጽ ከሎ ግን ች እዩ ዝድመጽ) ይውድእ።

*** ኢጣልያ ምስ እንግሊዝ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ፡ ካብ ዝገበረቶ 602 ምቅብባል ኩዕሶ እቲ 93.2 ሚእታዊት ናብ ዝተዓለመሉ ሰብ ብምብጽሑ፡ ድሕሪ ዋንጫ ዓለም 1966 እቲ ዝጸፈፈ ቅብብል ኮይኑ ተረኺቡ። ካብ’ዚ ኣንድርያ ፒርሎ 103 ኩዓሳሱ ዘቐበለ ክኸውን ከሎ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዘመን ውድድር ካብ ዝጅመር እቲ ዝበዝሐ ማለት እዩ።

*** ንግጥም ጃፓንን ኣይቮሪኮስትን ኣብ ሜዳ ኣሬና ፔርናምቡኮ ተረኺቦም ዝተኸታተሉ ጃፓናውያን፡ ኣብ እዋን ጸወታ ንዘጋዕዘይዎ ኮፍ ኢሉሙሉ ዝነበሮ ቦታ፡ ጸወታ ምስ ተወድአ ከምዘጽረይዎን ንኹሉ ግዕዘይ ምዕዘይ ኣብ ፈስታል ኣኪቦም ናብ መጉሓፊ ቦታ ከምዝጓረትወን ተፈሊጡ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብነታውያን ዜጋታት ተባሂሎም። ይኹን እምበር፡ ገለ ኣፍቀርቲ ስፖርት፡ ንግጥም ብራዚልን ክሮሽያን ዝመርሐ ዳኛ ብምዝካር፡ ጃፓናውያን ኣብ ብዙሕ መዳያት ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ባህሊ’ኳ እንተለዎም፡ ንዳንነት ግን ኣየብቕዑን እዮም ክብሉ ሓጪጮም።

** ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም 2010 ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ዝሓለፈ ዓርቢ 13 ሰነ ብሆላንድ 5 ብ 1 ከምዝተሳዕረት ዝዝከር እዩ። ስጳኛ 5 ሸቶታት ኣብ ሓደ እዋን ክምዝገባ፡ እዚ ናይ ዓርቢ ድሕሪ 1963 ዓመተ ምህረት ንመጀመርያ ግዜ እዩ። ካብ’ቲ ዘገርም እዚ ናይ 1963 ዓመተ ምህረት ፍጻመ ከኣ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ማለት ሰነ 13 ምኽሳቱ እዩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተገብረ ምሕዝነታዊ ግጥም ስኮትላንድ ንስጳኛ 6 ብ 2 ስዒራታ።

*** ኣሰልጣኒ ኤቨርተን ስጳኛዊ ሮበርቶ ማርቲነዝ ምስታ ጋንታ ዝጸንሖ ውዕል ብምሕዳስ ክሳብ 2019 ዓመተ ምህረት ክጸንሕ ተሰማሚዑ። በዚ ሓድሽ ውዕል መሰረት ማርቲነስ ንዓመት 3 ሚልዮን ፓውንድ ክኽፈሎ እዩ። ማርቲነዝ፡ ኣብዚ ዝተዛዘመ ዓመተ ስፖርት ንኤቨርተን 72 ነጥቢ ንኽተዋህልል ዝሓገዛ ክኸወን ከሎ፡ እዚ ነጥቢ’ዚ ድማ እታ ጋንታ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ነጥቢ እዩ።

***ሓለቓ ጋንታ ኣርሰናል ቶማስ ቨርማለን ምስ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክጽንበር ናይ ቃል ስምምዕ ከምዝገበረ ጋዜጣ ደይሊ ተለግራፍ ገሊጻ። እታ ጋዜጣ፡ ቨርማለን ኣብ ኣርሰናል ንሰሙን 70 ሽሕ ፓውንድ ከምዝኽፈሎ ምስ ማን ዩናይትድ ግን፡ ንሰሙን 100 ሽሕ ፓውንድ ንክኽፈል ከምዝተሰማምዐ ብተወሳኺ ሓቢራ። እንተኾነ ግን፡ ናይ ኣርሰና መርገጺ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ እንታይ ምዃኑ ኣይገለጸትን። ቨርማለን ምስ ኣርሰናል ዘለዎ ውዕል ንኽዛዘም ሓደ ዓመት ተሪፍዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

***************************************************************************************

fifa

ኣብ ዓለምና ኣብ ውሽጢ 4 ዓመታት ብዙሕ ለውጢ ኣሎ። ንዋንጫ ዓለም ዝግበር ትጽቢት ግን፡ ወትሩ ኣብ ቦትኡ ኣሎ። እንሆ ድማ፡ መላእ ኣፍቐርቲ ስፖርት ፕላኔትና ንነዊሕ እዋን ክጽበይዎ ዝጸንሑ መበል 20 ውድድር ዋንጫ ዓለም ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ብራዚል፡ ብግጥም የአንጋዲት ሃገርን ክሮሽያን ተኸፊቱ ኣሎ። ዋንጫ ዓለም ግን፡ ብዛዕባ ዓወት፡ ስዕረትን፡ ጎል፡ ቴክኒክ፡ ታክቲክን ብሉጻት ተጻወትትን ጥራይ ድዩ? ዋንጫ ዓለም ኣብ 1930 ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ካብ’ዞም ዝተጠቐስናዮም ወጻኢ ኣብ ከርሱ ብዙሕ ታሪኽ ዝሓቖፈ እዩ። ገለ ካብ’ዚ ታሪኽ’ዚ ንኽትኣምኖ’ውን ዘጸግም እዩ። ንሎሚ ካብ’ዞም ኣገረምቲ ፍጸመታት ብመጠኑ ናባኹም ከነብሎ፦

*** ኣብ ቦኽሪ ዋንጫ ዓለም 1930 ንሃገራዊት ጋንታ ሩማንያ ወኪሎም ዝተሳተፉ ተጻወትቲ ብምሉኦም፡ ብኩዕሶ እግሪ ዕቡድ ብዝነበረ ንጉስ ናይ’ታ ሃገር፡ ማለት ንጉስ ካሮል ካልኣይ እዮም ተሓርዮም። ሩማንያ ኣብ’ዚ ውድድር’ዚ ሓንሳብ ተዓዊታ ሓንሳብ ከኣ ተሳዒራ፡ ካብ ምድባ ናብ ዝቕጽል መድረኽ ከይሓለፈት፡ ብዘይ ገለ ታሪኽ ብኣግኡ’ኳ ካብ’ቲ ውድድር እንተተሰናበተት፡ ተጻወትታ ብንጉስ ዝመረጸት ሃገራዊት ጋንታ ተባሂላ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ትዝከር ኣላ።

*** ዋንጫ ዓለም 1930 ንምዕታር ናብ ፍጸመ ዝበጽሓ ጋንታታት ኡራጋይን ኣርጀንቲናን እየን። ኡራጋይ ድማ 4 ብ 2 ስዒራ ናይ ፈለማ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ኮይና። እዚ እሞ እንታይ ዘገርም ኣለዎ’ዶ ኢልኩም? እቲ ዘገርም ግን፡ ካልእ እዩ። ነዚ ግጥም ዝመርሐ ዳኛ ለቢስዎ ናብ ሜዳ ዝኣተወ ክዳን፡ ምሉእ ጁባን ስረን (ባድላ) ምስ ካራባትኡ እዩ። ዳኛ ግን ኣብ ጫማ በጺሑ መሊኡ ኣይጸደቐን!! መሳንይቲ ናይ’ዚ ክዳን ኮዮ ዘይኮነስ ናይ ስፖርት ጫማ (ዳ ጆኮ) እዩ ወድዩ።

***ኣብ’ዚ እዋን ንነፍስ-ወከፍ ግጥም ዋንጫ ዓለም፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ፡ ኣብ ሜዳ ተረኺቦም ክዕዘብዎ ንርእይ ኢና። ኣብ ዋንጫ ዓለም 1930 ንግጥም ሩማንያን ፔሩን ግን፡ 300 ደገፍቲ ጥራይ እዮም ኣብ ስታድዩም ተረኺቦም ተኸታቲሎሞ።

*** ዝሓለፈ ቀዳም ኢጣልያን እንግሊዝን ኣብ ዝገጥማሉ ዝነበራ እዋን፡ እንዝግሊዝ ብመንገዲ ስቱሪጅ ምስ ኢጣልያ እተማዓራርያ ጎል ምስ ኣእተወት፡ ሓኪም ጋንታ እንግሊዝ ነዛ ጎል እናዘለለ ክጽንብል ክብል፡ እግሩ ኣብ መስተዪ ጎማ ብምዕላቡ፡ ግዳይ ምምዝባል ዓንካር ዓንካሪቶ ኮይኑ ካብ ሜዳ ብቃሬዛ ተጸይሩ ከምዝወጸ ርኢና ንኸውን ኢና። እዚ ግን ናይ መጀመርያ ፍጸመ ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ኣብ ቦኽሪ ዋንጫ ዓለም 1930፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተጻዋታይ ይጉዳእ እሞ፡ ሓኪም ንኽረድኦ ናብ ሜዳ እናጎየየ ክኣትው ይጅምር። ይኹን እምበር፡ ናብ’ቲ ረድኤት ዝደሊ ተጻዋታይ ከይበጽሐ ይወድቕ። ክወድቕ ከሎ ድማ፡ ምስኡ ዝነበረት መደንዘዚ ዝሓዘት ጥርሙዝ ትስበር። ሓኪም ድማ፡ ንቡር ናይ ሂወት መስርሐ ኮይኑዎ እናስተንፈሰ ከሎ፡ ካብ’ዚ መደንዘዚ፡ ብመልክዕ ኣየር ብብዝሒ ስሒቡ ናብ ሳንብኡ የእትው። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሃለዋቱ ይስሕት። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ወዮ ሓኪም ክረድእ ዝኸደ ረዳኢ ደልዩ፡ ብቓሬዛ ተጸይሩ ካብ ሜዳ ናብ ሕክምና ኣቢሉ።

***ኣብ ዋንጫ ዓለም 1950 ሃገራዊት ጋንታ ህንዲ ተጻወትተይ ብዘይ ጫማ ጥራይ እግሮም እንተዘይኮይኑ ጫማ ወድዮም ኣይጻወቱን እዮም ስለዝበለት ካብ’ቲ ውድድር ስሒባ። ነዚ ወርቃዊ ዕድል ዝኸሰረት ህንዱ፡ ክሳብ ለይተ ሎሚ ናብ ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ኣይከኣለትን ኣላ። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድማ፡ ከም ሓላው ማዕጾ ዝተጠቕመትሉ፡ ኣብ’ቲ ጊዜ’ቲ ተጻዋታይ በይዝ ቦል ንዝነበረ ፍራንክ ቦርጊ እያ። እዚ ሓላው ማዕጾ ኩዕሶ ብእግሩ ሃሪሙ ናብ ግቡእ ዕላማኣ የብጽሓ ስለዘይነበረ፡ ነቲ ጸወታ ኩዕሶ ብኢዱ እናሰደደ እዩ ኣካይድዎ። ብኢዱ ዝሰደን ዝነበራ ኩዓሳሱ ግን፡ ዝወጸን ዘይነበረን ብቀጥታ ኣብ ቁጽጽር ደቂ ጋንትኡ ይኣትዋ ነይረን።

*** ብራዚል ዋንጫ ዓለም 1958 ኣብ ዝተዓወተትሉ እዋን፡ ኣካየድቲ እታ ጋንታ ተጻወትቶም ምእንታን ቀንጠብጠብ ከይብሉ፡ ን28 ደቂ ኣንስትዮ ሰርሕተኛታት ናይ’ቲ የዕሪፎሙሉ ዝነበሩ ሆቴል ብምሉአን ብደቂ ተባዕትዮ ከምዝቕየራ ገይሮም።

*** ብራዚል ዋንጫ ዓለም ሽወደን 1958 ተዓዊታ ናብ ዋንጫ ዓለም ቺለ 1962 ኣብ ዘምረሐትሉ እዋን፡ ጽቡቕ ፋል ምእንቲ ክኾና፡ በታ ናብ ሽወደን ዝበረረትላ ነፋሪትን ኣብራሪኣን እያ ተጓዒዛ። ቀኒዕዋ ድማ፡ ኣከታቲላ ንካልኣይ ግዜ ዋንጫ ጨቢጣ።

***ኣብ 1966 መራሒ ጋንታ እንግሊዝ፡ ሰነድ ናይ ተጻወትቱ ኣብ መዕረፊ ሆቴል ረሲዕዎ ናብ ሜዳ ብምምጽኡ፡ ጸወታ ክጅመረሉ ዝግብኦ ግዜ ብፍርቂ ሰዓት ተደናጉዩ ተጀሚሩ። ብተመሳሳሊ ኣካየድቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም 1974 መኽፈቲ ጽምብል ንምክያድ ንዘልዓልዎም ተተከልቲ ባንዴራ ኩርናዕ፡ ናብ ቦትኦም ከይመለሱ ስለስረስዕዎ፡ ግጥም ብራዚልን ዩጎዝላቭያን ብ10 ደቓይቕ ተደናጉዩ።

*** ብራዚላዊ ማርዮ ዛጋሎ ከም ተጻዋታይ 2 ግዜ፡ ከም ኣሰልጣኒ 1 ግዜ፡ ከም ተሓጋጋዚ ኣሰልጣኒ ከኣ ሓንሳብ፡ ብሓፈሻ 4 ግዜ ዋንጫ ዓለም ተዓዊቱ ኣሎ። ኣብ’ታ ከም ኣሰልጣኒ ኮይኑ ዝተዓወተላ ውድድር ዋንጫ ዓለም 1970፡ ንመዝነት ኣሰልጣኒ ኣብ ኣፍን ዕርበትን ምጅማር እቲ ውድድር እዩ ተረኪብዎ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ወትሃደራዊ መራሒ ብራዚል ዝነበረ ጀነራል መዲቺ፡ ኣሰልጣኒ ንዝነበረ ጆው ሳልዳና፡ “ንዝፈትዎ ተጻዋታይ ዳርዮ ኣይመረጽካዮን” ብዝብል ሰበብ ስለዝሰጎጎ እዩ።

***ሃገራዊት ጋንታ ዛየር፡ ናይ ሎሚ ዲሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎ፡ ናብ ዋንጫ ዓለም ጀርመን 1974 ቅድሚ ምብጋሳ፡ መራሒ እታ ሃገር ዝነበረ ሞቦቱ ሰሴሴኮ፡ “እዞም ተጻወትቲ ብጫ ማልያ መሊሶም ክጻወቱ ከለዉ፡ 11 ፔለ መሲሎም ይረኣዩ ስለዘለው፡ ሕብሪ ማልይኦም ከም ናይ ነብሪ ሕብሪ ክኸውን ኣለዎ። ከም ነብሪ ድማ ይጎዩ” ብምባል፡ ንሕብሪ ማልያ ናይ’ታ ሃገር ካብ ውጹእ ብጫ ናብ ሕብሪ ነብሪ ዝመስል ሕብሪ ቀይርዎ። ሞቡቱ ሰሴሴኮ ንገዛእ ርእሱ፡ ከም ናይ ነብሪ ሕብሪ ክዳንን ቆቢዕን የዘውትር ከምዝነበረ ይዝከር።

*** ተኸላኻላይ ኮሎምብያ ኣንድርያስ ኤስኮቦር ኣብ ዋንጫ ዓለም 1994 ሃገሩ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ትገጥመሉ ዝነበረት እዋን ናብ ገዛእ ልዳቱ ሸቶ ብምምዝጋቡ ሃገሩ 2 ብ 1 ተሳዒራ። ናብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ ድማ፡ “ብስዕረት ኮሎምብያ ብዙሕ ገንዘብ ተበሊዕና” ካብ ዝብሉ ቁማርተኛታት ብዝተተኮሰሉ 6 ጠያይት ሂወቱ ስኢኑ።

*** ዓለምና ካብ ዝረኣየቶም ብሉጻት ተጻወትቲ ሓደ ዝኾነ ዘይነዲን ዚዳን፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ፈረንሳ 1998፡ ሃገሩ ንብራዚል 3 ብ 0 ስዒራ ዋንጫ ክትጭብጥ ከላ፡ ክልተ ጎላት ብርእሱ ከምዘቑጸረ ዝዝከር እዩ። እቲ ዘገርም ዚዳን ቅድሚ’ዚ ዕለት’ዚ ዝኾነት ትኹን ጎል ብርእሱ ኣመዝጊቡ ኣየፈለጥን እዩ።

*** ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም 2002፡ ኢጣልያዊት ክለብ ጀነዋ ኣብ መስመር ምክፍፋል ንዝጻወት ደቡብ ኮርያዊ ኣህን ጁንግ ህዋን ዳግማይ ምስኣ ንኸይጻወት ኣባሪራቶ። እንታይ በዲሉ ኢልካ እንተሓተትካስ፡ ናብ ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ንምስጋር ኣብ ዝተግብረ ግጥም ደቡብ ኮርያን ኢጣልያን ወሳኒት ጎል ኣመዝጊቡ ንሃገሩ ከሕልፋ ከሎ፡ ብኣንጻሩ ከኣ ንኢጣልያ ስለዘትረፋ እዩ።

*** ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ዝበዝሐ ሸቶታት ኣመዝጊቡ ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ ብራዚልዊ ሮናልዶ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2002 ዘዘውተሮ ቅዲ ጸጉሪ ርእሲ መቸም ኣብ’ቲ እዋን ነቲ ውድድር ብመስኮት ተለቪዥን ትከታተልዎ ዝነበርኩም ኣፍቀርቲ ስፖርት ኣይትርስዕዎን ትኾኑ። ንሱ፡ ንኩሉ ጸጉሪ ርእሱ መላጥ ገይሩ፡ ኣብ ጫፍ ርእሱ ግን ዕብይ ዝበለት ቁንጮ ቁንጮ ኣትሪፉ ነይሩ። እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ፡ ህጻን ዝነበረ ወዱ ንሮናልዶ፡ ነቲ ውድድር ብተለቪዥን ክከታተሎ ከሎ፡ ንወላዲኡን ንሮበርቶ ካርሎስን ምፍላዮም ይስእን ስለዝነበረ እዩ። ምኽንያቱ ክልቲኦም መላጣት እዮም ነይሮም።

*** ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ንኣስታት 64 ዓመታት ዝለበሰቶ ማልያ ሕብሩ ምሉእ ብምሉእ ቢጫ ኮይኑ፡ ኣብ ጫፍ ኣእዳዉ ክሳዱን ቀጠልያ እዩ። ነዚ ማልያ’ዚ ዝነደፈ ወዲ 19 ዓመት ኣልዲር ጋርሽያ ስችሊ ዝተባህለ ተወላዲ ኡራጋይ እዩ። ብራዚል ቅድሚ’ዚ ካብ ባንዴራኣ ንላዕሊ መለለይኣ ኮይኑ ዘሎ ቢጫ ማልያኣ፡ ጻዕዳ ሕብሩ ማልያ እያ ትኽደን ነይራ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 1950 ኣብ ሃገራ ዘአንገደቶን ኩሎም ብራዚላውያን ክዝክርዎ ከለዉ ሕማም መርዘን ዘላዕለሎም ብኡራጋይ 2 ብ 1 ተሳዒራ ዋንጫ ዝሰኣነትሉ ውድድር ዋንጫ ዓለም፡ ነዚ ጻዕዳ ማልያ ቶባ ኢላቶ። ኣብቲ እዋን ድማ፡ ነዛ ቢጫ ማልያ ንምትካእ ውድድር ዲዛይን ናይ ማልያ ብመንገዲ ጋዜጣ ጸዊዓ። ሕጂ ወዲ 80 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ስችሊ ድማ ተዓዊቱ። ኣብ ዘመነ ሂወቱ ከም ጋዜጠኛ ኮይኑ ዝሰርሐ ስችሊ፡ ኣብ እዋን ወትሃደራዊ ስርዓት ብራዚል ብሰንኪ ስርሑ ብዙሕ ግዜ ተኣሲሩን ተፈቲሑን እዩ። ስችሊ ዋላ’ኳ ዝበዝሕ ዕድሚኡ ኣብ ብራዚል እንተኣሕለፎን ብራዚል ድማ ንሱ ዝነደፎ ማልያ ትለብስ እንተኾነት፡ ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም ነታ ዝተወልደላ ሃገር ኡራጋይ እዩ ደገፉ ዝህብ።

*** እንግሊዛዊ ዳኛ ግራሃም ፖል፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2006 ንግጥም ክሮሽያን ኣውስትራልያን ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ንተጻዋታይ ክሮሽያ ጁሲፕ ሲሙኒች 3 ግዜ ቢጫ ካርድ ብምሃቡ መስሓቒ ዓለም ኮይኑ።

*** ፖል ዘ ኦክቶፐስ ዝበሃል ናይ ባሕሪ ፍጥረት፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2010፡ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ንዘካየደቶ 7 ግጥማትን ስጳኛ ምስ ሆላንድ ዝገበርኦ ናይ ፍጻመ ግጥምን ውጽኢቱ ከይተጋገየ ቅድሚ ጸወታ ብምግማቱ ዓለም ምሉእ ኣዛሪቡ ነይሩ። እንስሳ ደኣ ከመይ ገይሩ ይግምት ዶ ኢልኩም? ሓዙ በሉ፦ ጀርመናውያን ወነንቲ እቲ እንስሳ፡ ክልተ ናይ ፕላስቲክ ሳንዱቕ ማይ ዝመልኣ ኣብ ውሽጡ ድማ መግቢ ዘለዎ የቐምጡ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሳንዱቕ ድማ፡ ናይተን ተጋጠምቲ ሃገራት ባንዴራ ይገብሩለን። ፖል ካብ’ዘን ክልተ ሳንዱቕ ኣብ ሓንቲ ኣትዩ ነቲ መግቢ ምስ ዝበልዖ፡ ናይ’ታ ዝተበልዐት ሳንዱቕ ባንዴራ ዘላታ ሃገር ተዓዋቲት ትኸውን። በዚ ከም’ዚ ኣገባብ ድማ፡ ን8 ጸወታታት ውጽኢቱ ፈሊጥዎ። ኣብ’ቲ እዋን እዚ መስርሕ ግምት ኤን.ቲ.ኤ. ብዝተባህለት መደበር ተለቪዥን ጀርመን ብቀጥታ ይመሓላለፍ ነይሩ። ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ፡ ፖል ጀርመን ብሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ክትስዓር ምዃና ምስ ገመተ፡ እቲ ውጽኢት ከኣ ከም ግምቱ ምስ ኮነ፡ ብዙሓት ጀርመናውያን ፖል ተቐልዩ ንኽብላዕ ጸዊዖም ነይሮም። ብኣንጻሩ ንጉስ ስጳኛ ሆሴ ዛፓቴሮ፡ ፖል ግቡእ ሓለዋ ክግበረሉ ጸዊዑ ነይሩ። ፖል ዋንጫ ዓለም 2010 ድሕሪ ምዝዛሙ 3 ኣዋርሕ ጸኒሑ ዓሪፉ።

ማትዊት
=====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0