ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጎቦ ውድድር ጉያ እግሪ፣ ኤርትራውያን ኣትለታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተዓዊቶም

ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጎቦ ውድድር ጉያ እግሪ፣ ኤርትራውያን ኣትለታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተዓዊቶም

Radio Erena: 18 June, 2014

Eri Athlet

ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ጎቦ፣ ኤርትራውያን ኣትሌታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተኸታቲሎም ኣትዮም።

ኣብቲ ብሰንበት 15 ሰነ 2014፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ መበል 34 ውድድር ዋንጫ ዓለም ጉያ እግሪ ጎቦ ፡ ላ ሞንቲ ዱ ግራንድ ባሎን፡ ኤርትራዊ ፔተር ማሞ ቀዳምይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ኣብ’ቲ 13.4 ኪሎ ሚትር ዝነበሮ ናይ ካልኣይ እግሪ ውድድር፡ ፔተር ማሞ ውድድሩ ብ57 ደቒቕን 36 ካልኢትን ብምምዛም ቀዳማይ ኮይኑ ክኣቱ ከሎ፡ ደቂ ሃገሩ ኣትሌታት ኣዘርያ ተኽላይን ደበሳይ ጸጋይን ከኣ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ስዒቦሞ።

ናይ ሰለስቲኦም ውጽኢት ድማ፡ ኤርትራ ብደረጃ ጋንታ ቀዳመይቲ ንኽትከውን ኣብቂዕዋ ኣሎ።

ፔተር ማሞ ወዳማይ ኮይኑ ኣብ ርእሲ ምዕዋቱ፡ ናይ’ቲ ቦታ ክብረ ወሰን ብ 2 ደቒቕ ኣመሓይሹ ሰይርዎ ኣሎ።

ሳልሳይ እግሪ ናይ’ዚ ውድድር 27 ሓምለ 2014 ኣብ ካምኒክ ስሎቬንያ ክቕጽል እዩ።

 

ውድድር ዋንጫ ዓለም ጉያ እግሪ ጎቦ ን 6 ተኸታታሊ ግዜ ዝካየድ ቅድድም እዩ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0