ኣገልግሎት ኤልክትሪክ ኣብ ኤርትራ፣ ቅድሚ 10 ዓመታት ካብ ዝነበሮ ዓቕሚ ብኣስታት 50 ሚእታዊት ኣንቆልቝሉ

ኣገልግሎት ኤልክትሪክ ኣብ ኤርትራ፣ ቅድሚ 10 ዓመታት ካብ ዝነበሮ ዓቕሚ ብኣስታት 50 ሚእታዊት ኣንቆልቝሉ

Radio Erena: 24 July 2015

Hir

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብ ዝነበሮ ዓቕሚ ብኣስታት 50 ሚእታዊት ከምዝነከየ ኣብ ክፍሊ ምህንድስና ሰራሕተኛ በዓል መዚ ኤልክትሪክ ነበረ ገሊጹ።

እቲ ስሙ ክንዕቕበሉ ዝመረጸ ሰራሕተኛ በዓል መዚ ኤልክትሪክ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ኤልክትሪክ ንምስፋሕ ናይ ኣዕኑድን ገመድን ምዝርጋሕ መደባት ክትግበር እኳ እንተኸኣለ፣ እኹል ሓይሊ ኤልክትሪክ ከመንጩ ዝኽእል ዓቕሚ ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘጋጥም ዋሕዲ ነዳድን ፋርነስን እቲ ኣውራ ጠንቒ ምንቁልቋል ኣገልግሎት ኤልክትሪክ ኮይኑ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ምስ ቻይናውያን ኩባንያታት ተደጋጋሚ እዋን ስምምዓት ከምዝተኸተመ ዝሓበረ እቲ ሰራሕተኛ በዓል መዚ ኤልክትሪክ ነበረ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ግና መመሊሱ ዝብእስ ደኣ’ምበር ዝፍታሕ ኣገልግሎት ኤልክትሪ ከምዘይተራእየ ጠቒሱ።

 

ኣብ ሕርጊጎ ዝርከብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤልክትሪክ ንምዕባይ ካብ ቻይና ተወስኽቲ ጄነሬተራት ንምትካል መደብ ተታሒዙ ይስርሓሉ ከምዘሎ ምንጭታት ካብታ ሃገር ይጠቕሱ’ዮም።

እዚ ብቻይናውያን ናይ ምስፋሕ መደብ ይስርሓሉ ከምዘሎ ዝንገረሉ ተወሳኺ መመንጨዊ ሕርጊጎ፣ ኣብ መወዳእታ 2015 ስርሑ ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር ትጽቢት ይግበረሉ።

እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ በብእዋኑ ዝርአ ዘሎ ገቢድ ዋሕዲ ነዳዲን ፋርነስን ዓቢ ዕንቕፋት ኮይኑ ክቕጽል ስለዝኽእል፣ እቲ ናይ ኤለክትሪ ጸገም ብቀሊሉ ዝፍታሕ ከምዘይኮነ እቲ ሰራሕተኛ በዓል መዚ ኣገልግሎት ኤልክትሪክ ኤርትራ የረድእ።

ኣብ ልምዓት ግዙፍ ዓወታት የመዝግብ ከምዘሎ ዝገልጽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ መዳይ ኣገልግሎት ኤልክትሪክ ነቲ ቅድሚ 10 ዓመት ዝነበረ ብቕዓት’ውን ክዕቕብ ከምዘይክኣለ ርኡይ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝርከቦ ሓያሎ ከባቢታት ሃገርና፣ ኣገልግሎት ኤልክትሪክ ንሓያሎ መዓልታት ዘይህልወሉ ግዜ ብተደጋጋሚ እዋን ይርአ ምህላዉ ይፍለጥ።

እዚ ንሓይሎ መዓልታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ኤልክትሪክ ከም ሆስፒታላትን ክሊኒክን ንዝኣመሰል ኣገዳሲ ወሃቢ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ኣተዓቓኒቕፎ ከምዘሎ ህዝቢ ብዓውታ ዝዛረበሉ መረረ’ዩ።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0