ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ 10 ሽሕ ፈኮስቲ ብረት ተታሒዙ

Radio Erena: 16 May 2019
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክዘዋወር ዝጸንሐ ልዕሊ 10 ሽሕ ፈኮስቲ ብረት ከምዝተታሕዘ ንኮሚሽን ፖሊስ ‘ታ ከተማ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ቻይና፣ ሺንሁዋ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ከተማ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሃድን፣ ልዕሊ 30 ጠበናጁ፣ 10 ሽሕ ሸጓጉጥን 19 ሽሕ ጠያይትን ዘጠቓለለ ወትሃደራዊ ዕጥቅታት ከምዝሓዘ ክጠቅስ ጸኒሑ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምዝውዋር ዝነበረ ልዕሊ 80 ሽሕ ዶላር ዝተገመተ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ኢድ ፖሊስ ወዲቑ ይርከብ።

ምስዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጠበናጁን ገንዘብን ካልእ ተመሳሳሊ ገበናትን ብዝተሓሓዝ ኣስታት 1700 ሰባት ተቐይዶም ይርከቡ።

እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዝረበሉ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጠበናጁን ገንዘብን፣ ኣብ ካልኦት ክልላትን ከተማታትን እታ ሃገር ብዝበኣሰ ይቕጽል ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ’ውን ልዕሊ 3 ኩንታል ዝምዘን ‘ካናቢስ’ ዝዓይነቱ ሓሺሽ፣ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተታሕዘ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን’የን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0