ሑቲ፣ ሻምብቆታት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ኣጥቒዑ

Radio Erena: 16 May 2019
ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ ሻምብቆታት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ መጥቃዕቲ ምክያዱ ተገሊጹ።

ሑቲ፣ ነቲ ብሰሉስ 14 ግንቦት ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ብሸውዓተ ሰብ ኣልቦ በርርቲ (ድሮን) ከምዘካየዶ ኣፍሊጡ።

ካብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ነዳዲ ዘመላልስ ሻምብቖታታ ፣ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየዶ ስዑዲ ዓረብ ተኣሚና ኣላ።

እቲ ብሰብ ኣልቦ በረርቲ ከምዝተፈጸመ ዝጠቐሰቶ መጥቓዕቲ ከቢድ ዕንወት ኣየውረደን ዝበለት ስዑዲ ዓረብ፣ “ሽበራውያን” ንዝበለቶም ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ወገናት ግብረ መልሲ ክትህብ ምዃና ኣጠንቒቓ።

ሑቲ ብወገኑ፣ ነቲ መጥቃዕቲ፣ “ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን እተካይዶ ንዘላ ወራር መጠንቀቕታ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ።

ብኣመንቲ ሺዓ ዝምራሕ ሑቲ፣ ኣብ ልዕሊ ሻምብቆታት ነዳዲ መጥቃዕቲ ዘካይድ ዘሎ፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ምስ መንግስቲ የመን ድሕሪ ዝበጽሖ ስምምዕ፣ ሖደይዳ ካብ እትርከቦ ሰለስተ ወደባት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝስሕበሉ ዘሎ ቅንያት’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0