ኣዛዚ ፖሊስ ሱዳን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ሰበ ስልጣን ጀርመን ተዘራሪቡ

Radio Erena: 17 October 2016

Sud

ሰበ ስልጣን ጀርመን ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ምግታእ ስደተኛታት ዘተኮረ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ዘለው ዝርርብ፣ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢምግሬሽን ሱዳን’ውን ተራኾቦም።

ብሓላፊ ፖሊስ ሱዳን ሌተናንት ጀነራል ሓሽም ዑስማን ኣል ሑሰን ዝምራሕ ወኪል መንግስቲ ሱዳን፣ ብቀዳም 15 ጥቅምቲ ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝግተኣሉ ኣገባባት ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ከምዝተዘራረበ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ጀርመን እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ምስታ ቀንዲ ስደተኛታት ከም ኣውራ መንገዲ ዝጥቀሙላ ሱዳን ኣብ ስትራቴጅያዊ ስምምዕ ምብጻሕ ኣገዳሲ ምዃኑ’የን ዝኣምና።

ብመሰረት ዘካይድኦ ዘለዋ ዝተፈላለየ ስምምዓት፣ መንግስቲ ሱዳን ሚልዮናት ኤውሮ ሓገዝ ክግበረሉ እንከሎ፣ እቲ መንግስቲ ከኣ ከም ውጽኢቱ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑዮም ዝበሎም ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ ምቕያድ ተጸሚዱ ኣሎ።

ሰበ ስልጣን ጀርመን ምስ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ንምዝርራብ ብዘቕረብዎ ዕድመ መሰረት፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ሃገር ዑደት ከምዘካየዱ ይዝከር።

ኣብ ጀርመን ኣብዚ ዓመት’ዚ ፖለቲካዊ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብዝሒ ኤርትራውያ ብ25 ሽሕ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

ቻንስለር ጀርመን ኣንገላ መርከብ ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታትን ንምግትኡ ዘሎ ተኽእሎን ብዝምልከት ንምዝርራብ’ውን ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ማሊን ኒጀርን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺማ’ያ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0