ኣንጎላ ኣብ ዝሃነጸቶ ሓድሽ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ይዋስእሉ ምህላዎም ተገሊጹ

Radio Erena: 22 October 2019

ኣብ ኣንጎላ ኣብ ዝተሃንጸ ሉዋንዳ ቦንጎ ፍሉይ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ኤርትራ ዝርከብዎም ኣውፈርቲ ሓያሎ ሃገራት ብንጥፈት ይዋስእሉ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ናይ ንግዲ ዞባ ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ንዝተፈላለዩ ኣውፈርቲ ከምዝዓደለ ብምጥቃስ፣ ኤርትራውያን ፋብሪካ ሳሙና ክኸፍቱ እንከለዉ፣ ኢማራት ኣብ ምግጥጣም ትራክተራት፣ ህንዳውያን ፍርያት ጸባ ምውፋሮም ከም ኣብነት ኣቕሪቡ።

ኣብቲ ሰፊሕሕ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ንፋብሪካታትን መሸጣ ፍርያትን ዝኸውን ብውሕዱ 160 ቃጽዖታት ንዝተፈላለዩ ኣውፈርቲ ተዳልዩ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ዘተባብዕ ናይ ወፍሪ ዕድላት ዝሰኣኑ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ኣብ ኣንጎላ፣ ርዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ዕውት ውፍሪየካይዱ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0