ኬንያውያን ካብ ኣፍሪቃ ብልግሲ ቀዳሞት ተባሂሎም

Radio Erena: 23 October 2019

World Giving Index (10th edition) ምስ ትካል ግብረሰናይ Charities Aid Foundation (CAF) ብምትሕብባር ኣብ ዝገበሮዎ መጽናዕቲ ኣስታት ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኬንያ፣ ካብ ኣታዊታቶም ንሓገዝ የወፍዩ።

በዚ ብዝሒ’ዚ ድማ ኬንያውያን ብልግኪ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳሞት’ዮም ተባሂሎም።

እቲ 10ዓመታት ዝወሰደ መጽናዕቲ፣ ን125 ሃገራት ዘካተተ ኮይኑ፣ 1.3 ሚልዮን ህዝቢ’ዩ ተሳቲፍዎ።

ዋና ጸሓፊ Charities Aid Foundation ዝኾነ ጆን ሎው ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ፣ ሓገዝ ዘድልዮም ኣጋይሽ ምትሕብባር፣ ወፈያ ገንዘብ ንማሕበራት ግብረሰናይ ከምኡ ውን ተሳትፎ ኣብ ወለንታዊ ኣገልግሎታት ዝብሉ ነጥብታት ዘጠቓለለ’ዩ።

ብደረጃ ዓለም ኬንያ ብልግሲ መበል 11 ክትከውን እንከላ፣ ላይበርያ ድማ ንኣጋይሽ ብምትሕብባር ቀዳማይቲ’ያ።

ብልግሲ ኣብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ዝተሰርዓ ሃገራት ኣመሪካ፣ ኒዊዝላንድ፣ ኣየርላንድን ብሪጣንያን ክኾና እንከለዋ፣ እቶም ዝጠምዑ ህዝቢ ዝተባህሉ ቻይናውያን’ዮም።

ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፣ ንኣጋይሽ ብዘይምትሕብባሮም ዝተፈልጡ ዜጋታት ጃፓን’ዮም።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0